Liturgy

ሊጡርጊያ እንታይ ኢዩ?

 ሊጡርጊያ እንታይ ኢዩ? ትርጕምን : ጥቅምን:መንፈሳውነትን: ምምሕያሽን ሊጡርጊያ
ሊጡርጊያ ምንጭን ፍጻሜን ሕይወት ክርስትና ኢዩ (ቅ. ጉባኤ 10)፣ ቅዱስ ጉባኤ ንሊጡርጊያ ካብ ኵሉ ተግባራት ክርስቶስ እቲ ዝለዓለ ቦታ ይህቦ፣ ኵሉ ተግባር ናይ ቤተርስቲያን ናብኡ ኣቢሉ የቅንዕ፣ ኵሉ ኃይሊ ቤተክርስቲያን ከኣ ካብኡ ይፍልፍል፣ ሊጡርጊያ ፍጻሜ ናይ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተግባርን ኢዩ፣ ምንጪ ናይ መለኮታዊ ሕይወት ኢዩ፣
ሊጡርጊያ እንታይ ኢዩ? ሊጡርጊያ ሓደ ዓይነት መግለጺ ዘይኮነስ። ዝተፈላለዩ መግለጺ ኣሎዎ፣ ፖል ሁን ዝበሃል ተመራማሪ ሥርዓት ኣምልኾ እግዚኣብሔር ስለ ድኅነት ሰባት ብኢየሱስ ገይሩ ዝፍጽሞ ተግባርን። ሰባት ንተግባር ድኅነት እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ገይሮም ዝህቡዎ መልስን ኢዩ ይብል፣ ፒተር ብሩነር ዝበሃል ከኣ ሊጡርጊያ እግዚኣብሔር ንደቅ-ሰባት ኢሉ። ደቅ-ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሔር ኢሎም ዚፍጽሙዎ አገልግሎት ኢዩ ይብል (ኀሙስ ጽግቦ)፣ ጆርጅ ፍሎሮቭስኪ ዝበሃል ከኣ ኣምልኾ ንጸዋዕታ ኣምላኽ መልሲ ምሃብ ኢዩ ይብል፣ አብ ጽሑፋት ናይ ቤተክርስቲያን ካቶሊኽ እንተ ተመልከትና ከኣ ሊጡርጊያ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ውዳሴን ናይ ደቅ-ሰባት ከኣ ድኅነትን ቅድስናን ኢዩ ይብል፣ ር. ሊ. ጳጳሳት ፕዮስ 12 ኣብ ዓዋዲት መልእኽቶም Mediator Dei ዘርእስታ ሊጡርጊያ ናይ’ቲ ርእሲ ቤተክርስቲያን ዝኾነ መድኃንን። ናይ’ታ ሰውነቱ ዝኾነት ቤተርክስቲያንን ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዜዕርጉዎ ውዳሴ ኢዩ ይብል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ሊጡርጊያ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ናብ መሥራቲኣ ክርስቶስ። ብኣኡ ገይራ ከኣ ናብ እግዚኣብሔር አቦ እተዕርጎ ክብርን ወዳሴን ኢዩ ይብል… ወዘተ፣ እዚ ሓድሐደ መግለጽታት ሊጡርጊያ ኢዩ፣
ጀማሪ ናይ ሊጡርጊያ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ምድራውያን ዝኾኑ ደቅ-ሰባት ደቁ ገይሩ። ኣብ መለኮታዊ ሕይወቱ ኬሳትፎም ቢሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወረደ፣ ኣብ ሊጡርጊያ ናይ እግዚኣብሔር ውህበት ገዛእ-ርእሱ ነብዕል ንቅድስ፣ Liturgy is the Celebration of the Truine God. ሊጡርጊያ ናይ’ቲ ሥሉስ ኣምላኽ ግብረ-ኣምልኾ። ምፍጻም ኢዩ፣

I) Liturgy is the Celebration of the Holy Trinity
ሀ. Liturgy is the Celebration of Christ
ሊጡርጊያ ዝኽሪ (Anamnesis) ክርስቶስ ምግባር ኢዩ፣ “ንዝኽረይ ግበሩዎ” በለ፣ ነቲ ዝሓለፈ ተግባራት ድኅነት። ነቲ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ነዘንቱ። ብዝገበርናዮ ዝኽሪ ከኣ ዝበለጸ ነገር ንረክብ፣ እቲ ንሕና እንዝክሮ ኢየሱስን። ንሱ ዝፈጸሞ ተግባራት ድኅነትን ሎሚ ሕያው ኢዩ፣ ኣብ ሊጡርጊያ ኦዶ ካሰል ከምዝበሎ ክርስቶስ ብተግባራት ድኅነቱ ኣብ መንጎና ይርከብ፣ ብታሪኻዊ መገዲ ዘይኮነስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ተቐሚጡ ብምሥጢራዊ መገዲ ብኣድኃኒ ተግባራቱ ኣብ መንጎና ይርከብ፣ ጉባኤ ቫቲካን II። “ንኽንድዚ ዝዕብየቱ ተግባር ሊጡርጊያ ንምፍጻም። ክርስቶስ ኵሉ ጊዜ ህያው ኢዩ፦ ክርስቶስ ኣብ መሥዋዕቲ ቅዳሴ። ኣብቲ ቀዳሲ ካህን። ብፍላይ ኣብ ምሥጢረ ሥጋኡን ደሙን። ብኃይሉ ኣብ ምሥጢራት። ኣብ ጉባኤ ቤተክርስቲያን ህያው ኢዩ” (ቅዱስ ጉባኤ ቍ. 7)፣ እቲ ዝሓለፈ ህያው ኢዩ፣ ኣርድእቲ ኤማሁስ ብዛዕባ ዝኃለፈ ነገር ይሓስቡ። ይዝክሩ ነበሩ። ብዛዕባ ዝሓለፈ ክዝክሩ እንከሎዉ። ኢየኡስ ከም ጋሻ ኰይኑ ኣብ ማእኸሎም ተረኽበ፣ እቲ ዝኽሪ ህያው ኰይኑ ኣብ ማእኸሎም ተረኽበ፣ ክንየው ታሪኻዊ ፍጻሜታት ብምሥጢራዊ መገዲ ኢየሱስ ብድኅነቱ ሕያው ኰይኑ ይርከብ፣ ‘ንምንታይ ነቲ ሕያው ኣብ ማእኸል ሙታን ተናድያኦ?’ ተባህላ፣ ኢየሱስ ድኅሪ ትንሣኤ። ንዘለዓለም ኣብ ኵሉ ህሉውን ሕያውን ኢዩ፣ ሎሚ። ትማሊ። ጽባሕ ንሱ ኢዩ። እቲ ዘሎ ኢዩ፣ ከም’ቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ዕፀ-ጳጦስ ህላዌኡ ዝገለጸ። ኣብ መንጎ ብስሙ ተኣኪቡ ዚጽሊ ዘሎ ጉባኤ። ኢየሱስ እቲ ዘሎኹ ኢየ ይብል፣ ጉባኤ ሊጡርጊያ ብህላዌ ክርስቶስ ዚንደድ ዕፀ-ጳጦስ ኢዩ፣ ስለዚ ኣብ ሊጡርጊያ ንሕና ቅድሚ ኵሉ ህላዌ ክርስቶስ ኢና ነብዕል፣ ክርስቶስ ዘይብሉ በዓል በዓል ኣይኮነን፣ ሊጡርጊያና ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዚፍልፍል ናይ ሕይወት ውሕጅ ኢዩ፣ ዘድንቕ ነገራት። ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ኢና ነብዕል፣ ብተስፋ ዝመልኤ ተግባር ነብዕል፣ ሊጡርጊያ ሓዲሽ ኪዳን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ ኣብ ሊጡርጊያ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤን ናይ ደቂ-ሰባት ድኅነትን ይፍጸም፣ ሊጡርጊያ ክህነታዊ ተግባር ክርስቶስ ዚፍጸመሉ። እግዚኣብሔር ኣቦ ዝኸብረሉ። ሰባት ከኣ ዚቅደሱሉ እዋን ኢዩ፣ ክርስቶስ ስለ ኃጢኣትና ሞተ። ስለ ድኅነትና ድማ ካብ ሞት ተንሥኤ፣ ንሱ ባዕሉ ሓዲሽ ካህን።

ሓዲሽ ቤተመቕደስ። ሓዲሽ መሥዋዕቲ። ሓዲሽ ፍጥረት። ሓዲሽ ኪዳን። ሓዲሽ በግዕ ፋሲካና ወዘተ ኢዩ፣ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን ኢዩ (ቈላ 3።11)፣ “ኣልፋን ኦመጋን። መጨረሻን መወዳእታን (ራእ 1።8፦ 21።6፦ 22።13) ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ሕይወት ክርስቶስ አባና ኢዩ። ንኃጢኣት ሜትካ። ኣብ ክርስቶስ ብሓዲሽ ሕይወት ምትንሣእ ኢዩ፣

ክርስቶስ በግዕ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዝድምስስ በግዕ እግዚኣብሔር፣ ኣብ ክንድ ኵላትና በጃ ኮነ፣ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን መተዓረቒ ኮነ፣ ቅ. ጳውሎስ “እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ሓደ ኢዩ። ንሱ ከኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢዩ” (1ጢሞ 2።5)፣ ክርስቶስ ናይ ዕርቂ መሳልል ኮነ፣ እቲ ያዕቆብ ዝረኣዮ መሣልል። ካብ ምድሪ ናይ ሰማይ ዝበጽሕ። ንሱ ትንቢት ወይ ኣምሳል ናይ ክርስቶስ ኢዩ፣ ኢየሱስ ንናትናኤል “ካብ ሕጂ ንደሓር ሰማይ ተኸፊቱ መላእኽቲ ኣምላኽውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ዮሐ 2።51) በሎ፣ እቶም በታ መሳልል ያዕቆብ ዚወርዱ ዝነበሩ መላእኽቲ ከኣ ኣምሳል ናይ’ቲ ብኢየሱስ ዝወርድ በረኸትን ድኅነትን የመልክት፣ ናይ’ቶም ዝድይቡ ዝነበሩ ከኣ እንደገና ናይ’ቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ናብ ሰማይ ዚዓርግ ጸሎት። ምስጋናን ውዳሴን ልመናን የመልክት፣
ሊጡርጊያ ሓደ ነገር ምፍጻም ዘይኮነስ። ናይ ኣካላት (persons) ምርኻብ ኢዩ። ነቲ ብኢየሱስ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣምላኽን ምስ ሓድሕድናን ዘሎ ርክብ ናይ በዓል ቅዳሴ ወይ ሊጡርጊያ ምፍጻም ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ብምልክታትን ሥርዓታትን ዘይኮነስ ቅድሚ ኵሉ ብሰባት ዝቖመ ኢዩ፣ ክርስቶስ ቀንድ መሠረት ክፍሊ ናይ ሊጡርጊያ ኢዩ። ብድሕሪኡ ቤተክርስቲያን ክፍሊ ናይ ሊጡርጊያ ኢያ፣ ክርስቶስ ርእሲ ቤተክርስቲያን ከኣ ሰውነት ኢያ፣ ቅ. መጽሓፍ ቃል እግዚኣብሔር ብቃላት ሰባት እንተ ኰይኑ። ሊጡርጊያ ከኣ ተግባር-ድኅነት እግዚኣብሔር ብተግባር ሰባት ኢዩ፣ እዚ ማለት ዕላማ ቅዳሴ ንህብስትን ወይንን ናብ ሥጋን ደምን ምልዋጥ ኣይኮነን። እንታይ ደአ ንሰባት ናብ ሥጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ምልዋጥ ኢዩ፣ ብጥምቀትን ቅ. ቍርባንን ንሕና ኢና ንሓድሕድና ዳግማይ ክርስቶስ እንኸውን። ነቶም ስሙ ዘይፈልጡ ከኣ ኣብ ዓለም ምልክት ናይ ክርቶስ ንኾኖም፣ ስለዚ ኣብ ሊጡርጊያ ንሕና ብዛዕባ ነገራት ዘይኮነስ ብዛዕባ ሰባት ኢና ክንግደስ ዘሎና፣ ቅድሚ ሥርዓትን አገባባትን ምምሕያሽ ሰባት ከነመሓይሽ ኢዩ ዘሎና፣ ሓቀኛ ሊጡርጊያ ዝበሃል እቲ ኣባና ዘሎ። ብኣና ዝንበርን ብግብረ-ኣምልኾ ዝፍጸምን ዘሎ ሕይወት ክርስቶስ ኢዩ፣ ቃል እግዚኣብሔር ክሰበኽ እንከሎ። ክርስቶስ ኢዩ ዚሰብኽ ዘሎ። ማይን ዘይትን ከንጽሕን ክፍውስን እንከሎ ክርስቶስ ኢዩ ዚፍውስ ዘሎ። ኣብ ኑዛዜ ካብ ኃጢኣት ዝኃድግ ዘሎ ክርስቶስ ኢዩ። ሥጋን ደምን ባዕሉ ኢዩ ዝዕድል ዘሎ፣ ዜጠምቕ ክርስቶስ። ቃል ክንበብ እንከሎ ንሱ ባዕሉ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ፣ ቤተክርስቲያን ክትጽልን ክትዝምርን እንከላ። ንሱ ሕያው ኢዩ ፣
ለ. We Celebrate the Holy Spirit: Epiclesis
ኢየሱስ ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ “ብሓቂ ሰገድቲ ንአብ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ” (ዮሐ 4።23-24) በላ፣ ክርስቶስ በዛ ሳምራዊት ሰበይቲ ገይሩ ኣምልኾ ብመንፈስን ብሓቅን እንትዘይኰይኑ ብኻልእ መገዲ ከምዘይፍጸም የስተምህረና፣ ሊጡርጊያ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ቀጻሊ በዓለ ጴራቕሊጦስ ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ዓቢይ ጽዋዔ መንፈስ ቅዱስ ወይ ዓቢይ ይረስዮ ኢዩ፣ ንሕና ድኹማት ኢና። ክንጽሊ ዓቕሚ የልብናን፣ መንፈስ ቅዱስ አምልኾ ንኽንፍጽም ክእለት የውህበና፣ ኣብ’ዚ ቅ. ጳውሎስ ኣብ ጸሎት ኃይሊ ዝህበና መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ብንጹር ይገልጸልና፣ “መንፈስ ቅዱስ ንድኻምና ይድግፎ ኢዩ፣ ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና። ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ ኢዩ። ብዘይንገር እህህታ ዚጽልየልና” (ሮማ 8።26-27) ይብል፣ መንፈስ ቅዱስ ጸሎት ናይ ውሉድ ኣባና ይደርስ። አባ ኣቦ እናበልና ከም እንጽውዕ ይገብረና (ሮማ 8።15)፣ መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ የኅድረልና፣ “በቲ ዝተዋበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና መልኤ” (ሮማ 5።5)፣ ኣብ ሊጡርጊያ ከም ብመዓልቲ ጴራቕሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሊዕሊ ምሥጢራት ይወርድ፣ ኣብ ነፍስ ወከፍ ምሥጢር ርደት መንፈስ ቅዱስ ኣሎ፣ ጉባኤ ቫቲካን “ኣብ ሊጡርጊያ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ብምሥጢራዊ ምልክታት ገቢሩ ኣብ ልዕሌና ይወርድ (ይዋሳእ)” (ብርሃን ኣሕዛብ ቍ. 50) ይብል፣ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ግብረ-ኣምልኾ ዚፍጽሙ ‘ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ’ ቢሎም ከምዝምሥክሩ ይገብሮም፣ ቅ. ጳውሎስ መንፈስ ቅዱስ ኢየሱስ መን ምዃኑ ከምዚገልጸልና ይሕብር፣ “ከምቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ ኢየሱስ ርጉም ኢዩ። ኪብል ዘይክእል። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰይኑ ድማ ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ” ኪብል ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን” (1ቆሮ 12።3)፣ መንፈስ ቅዱስ ንክርስቶስ ክንርኢ ኣዕይንትና ይኸፍተልና፣ ነቲ ዓሚቝ ሕቡእ ምሥጢር። ናይ ኢየሱስ ይገልጸልና፣ ዮሓንስ ወንጌላዊ ክርስቶስ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ መምህር ናይ ሓቂ ምዃኑ ከምዝሓበረ ይነግረና፣ “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኪመርሓኩም ኢዩ” (ዮሐ 16።13-14)፣
ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቅዳሴ ዝግበር ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ጸሎት ከሰነዮ ከምዘሎዎ ይሕብር (ቃለ እግዚኣብሔር ቍ. 25)፣ ኣብ ቅዳሴ ግእዝ ነፍስ ወከፍ ንባብ ዜሰንዮ ጸሎት ኣሎዎ፣ ኣብ ጸሎት ንእዝኒ ሰማዕቲ ምእንቲ ክኸፍት ንቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ብቍዓት ክገብረና። ንመንፈስ ቅዱስ ንልምን፣ ኣብ ሥርዓት ኣምልኾ ሃገርና ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዳሴ። ኣብ ምሥጢራት ዓቢይ ግደ ኣሎዎ ፣ ኣብ መሠናደዊ ሥርዓታት ካህን ብቀጻሊ ኣብ ቅዳሴ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ደገፍ ክረክብ ይጽሊ።- “ኣውርድ ላዕሌየ… መንፈስ ቅዱስ ወረስየኒ ድልወ እቁም ውስተ ቤተ። መቅደስከ”። “ፈኑ ላዕሌነ ወዲበ ዝንቱ ቍርባንነ መንፈሰከ ቅዱሰ…” ወዘተ ዝብል ሓረጋት ብዙሕ ንረክብ፣ ህብስትን ወይንን ካብ ቤተልሔም ክመጽእ እንከሎ ካህን “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ነዚ መሥዋዕቲ እዚ ዜጽልለላን ዚቕድሰላን እዛ ዕለት እዚኣ ክንደይ ኣተፍርሕ ኢያ እዛ ሰዓት እዚኣኸ ክንደይ እተስደምም ኢያ…” እናበለ ንሕዝቢ ጽን ኢሎም ክሰምዑን ክከታተሉን መጠንቐቕታ ይህብ ፣ ድንግል ማርያም ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌ ከመይ ኢሉ ክኸውን ኢዩ ምስ በለት መንፈስ ቅዱስ ኬጽልለኪ ኢዩ…” ተባህለት፣ ንሕና እውን ማንም ህብስትን ወይንን ከመይ ኢሉ ናብ ሥጋን ደምን ክልወጥ ይኽእል ኢልና እንተ ሓተትና። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ልዕሊ ኵሉ ኣብ ኣኰቴት ቍርባናት ብጊዜ ይረስዮ ዚያዳ ይግለጽ፣ ኣብ መወዳእታ ቅዳሴ ከኣ ቅድሚ እተዉ በሰላም ሕዝቢ“… ኪያከ እግዚኦ ንኣኵት ነሢኣነ ጸጋ ዘእመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝተረኽበ ጸጋ ስለዝተቐበለ ንጐይታ የመሥግን፣ እዚ ቅዳሴ ካብ ምስንዳው ጀሚሩ ክሳብ እዋን ምፍናው ብምልኡ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዚሕብር ኢዩ፣ ብዛዕባ ጥምቀት ጊዮርጊስ ሳግላዊ “ብዘይ ምጽኣት መንፈስ ቅዱስ ማይ ጥምቐት ክባረኽ ኣይክእልን። ክህነት ክፍጸም ዘይሕሰብ ኢዩ። ቅ. ቍርባን ክሥራዕ ኣይክእልን ኢዩ። ታቦት ክባረኽ ኣይክእልን ኢዩ። ኣጋንንት ርኹሳት መናፍስት ክስጐጉ ኣይክእሉን ኢዮም ይብል፣ ኣብ መጽሓፍ ድጓ ንዘመነ ጴራቕሊጦስ ዝኸውን ማኅሌተ ሠርክን ሌሊትን ንረክብ ፣ እዚ ጸሎት እዚ ጴራቕሊጦስ መዓልቲ ዘይኮነስ ድሕሪ ጴራቕሊጦስ ዘሎ ሰሙን ዚግበር ኢዩ ፣
ቅ. ኣምብሮጆ “ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክርስቶስ ኣይወሃብን ኢዩ። ብዘይ ክርስቶስ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣይወሃብን ኢዩ” ዝበሎ ቃል ኣብ ሊጡርጊያ ተግባራዊ ይኸውን፣ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ምሥጢራትን እቶም ነዚ ምሥጢራት ዝቕበሉ ጉባኤን መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ትጽሊ፣ “ኣብ ሥጋን ደምን ናይ ክርስቶስ እንሳተፍ ዘበልና መንፈስ ቅዱስ ሓደ ከም እንኸውን ይግበረና” ፣ “ሀበነ ንህበር በዘዝአከ መንፈስ ቅዱስ…፣ ኣኰቴት ቍርባናት ላቲን ካልኣይትን ሣልሳይትን ነቶም ኣብ ሥጋን ደምን ዚሳተፉ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ክገብሮም ይልምን፣

ሐ) We Celebrate God the Father’s Glory። ሊጡርጊያ ክብሪ ኣቦ ምቅዳስ ኢዩ
እግዚኣብሔር ኣቦ ናይ ሊጡርጊያ ወይ ሥርዓት ኣምልኾ ምንጭን ዕላማን ኢዩ፣ ኣኰቴት ቍርባን ናይ ሓዋርያት “ነኣኵተከ እግዚኦ በፍቁር ወልድከ…” እናበለ ይጅምር፣ (ቅዳሴ እግዚእ) ከኣ “ነኣኵተከ ኣምላክ ቅዱስ…”፣ ኣቦ ብዕብየትካ ንውድሰካ “Father, we praise you for your greatness” (Eucharistic Prayer IV). ስብሐት ለአብ ስብሓት ለወልድ ስብሓት ለመንፈስ ቅዱስ” …፣ ስራሕ ኣምላኽ ብምልኡ ቡራኬ ኢዩ፣ ኣይሁዳውያን ንእግዚኣብሔር ብቀጻሊ ይባርኹ ነበሩ፣ ድርሰት ናይ ክርስቲያን አኰቴት ቍርባናት ናይ በረካ ጽልዋ ኣሎዎ፣ ኣብ ጸሎት ናይ በረካ ኵሉ ነገር ከም ቡራኬ ኢዩ ዝሕሰብ፣ ዜደንቕ ነገር ኢዩ። መና ኢዩ፣ ኣብ አብርሃም ኵሎም ደቅ-ሰባት ተባረኹ፣ እግዚኣብሔር አቦ ኣብ ምልኣት ጊዜ ብወዱ ገይሩ ባረኸና፣ ቅ. ጳውሎስ “እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብርክስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን። ኣቦን ቡሩኽ ይኹን”…. (ኤፌ 1።3-6) እናበለ እግዚኣብሔር አቦ ምንጪ በረኸት ከምዝኸነ ይምስክር፣
ተግባርና ብምልኡ “ኣሜን” ወ “ሃሌ ሉያ” ኢዩ፣ እዚ ክልቲኡ ቃላት እዚ መሠረቱ ካብ ዕብራይስጢ ኢዩ። ሎሚ መግለጺ ሥርዓት ኣምልኾ ክርስትና ኰይኑ ይርከብ ኣሎ፣ ኣሜን ይኹነለይ። ከምቲ ዝበልካኒ ይኹን ተቐቢለዮ ኣሎኹ ማለት ኢዩ፣ ምስምማዕ ኢዩ፣ ካህን ጸሎት ናይ ምሥጋናን ውዳሴን ልመናን ናብ ኣምላኽ ምስ ኣቕረበ። ሕዝቢ። ኣሜን ኢሉ ይምልስ፣ ኣብ ሊጡርጊያ ኣይሁድ ናይ ቤተመቕደስን ምዅራብን ኣሜን መልሲ ናይ ስብሓትን ቡራኬን ነበረ፣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን “ኣሜን” ናይ ስብሓትን። ናይ ቡራኬን። ምሥጋናን መልሲ ኢዩ፣ ኣሜን ናይ ኪዳን ትሕዝቶ። ኣሎዎ። ነቲ ሕዝቢ ምስ ኣምላኽ ዘሎዎ ጥቡቕ ርክብ ናይ ጸጋን ፍቕርን ሓቅን። እምነትን ተኣማንነት ይገልጽ፣ ሕዝቢ ተኣሚኑ ፍቓዱ ይቕበል። ይእዘዝ። ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ይመላለስ፣ ቅ. ኣጐስጢኖስ “ኣኅዋተይ ኣሜንኩም ማኅተምኩም። ስምምዕኩም ኢዩ” ይብል፣ ሃሌ ሉያ ንያህወ ውዳሴ ማለት ኢዩ፣ ናይ ምግራም። ናይ ታሕጓስ። ናይ ምሥጋና ጸሎት ኣዋጅ ኢዩ፣ አብ ብሉይ ኪዳን መግለጺ ናይ ታሕጓስ ኢዩ፣ መልሲ ናይ መዝሙር ወይ ጸሎት ኢዩ፣ (ንምሳሌ። መዝ 117)፣ ኣብ ሊጡርጊያ ክርስቲያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ናይ ታሕጓስ መግሊጺ ኢዩ፣ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ይዝመር ከምዝነበረ ቅ. ኣጐስጢኖስ ይምስክር፣

II) ቤተክርስቲያን ብዓል ቤት ሊጡርጊያ
ኣብ ብሉይ ኪዳን ጉባኤ ሊጡርጊያ ቃሃል ያህወ (ጉባኤ ኣምላኽ) ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ብግሪኽ እዚ ቃሃል ዝብል ቃል ኣብ ሰብትዋጅንት ኤክለስያ ብዝብል ቃል ተተርጕሙ፣ ኢየሱስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ሕዝቢ ኣካቢ ኢዩ፣ “ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ ናብ ሓደ ክእክቦም ከኣ እምበር በጃ ሕዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኮነን” (ዮሐ 11።52)፣ “ክልተ ወይ ሠለስተ ኰይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ። ኣነ ከኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም ኣሎኹ…” (ማቴ 18። 20)፣ ጉባኤ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ብ12+1 ሓዋርያት ተጀመረ፣ ጉባኤ ጴራቕሊጦስ መስትያት ናይ ኵሉ ጉባኤታት ናይ ክርስትና ኢዩ፣ ምድራዊ ጉባኤ ናይ ቤተክርስቲያን ናይ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሰማያዊ ጉባኤ ነጸብራቕ ኢዩ፣ ሰማይ ናይ ጉባኤ ወይ ናይ ማኅበር ቦታ ምዃኑ ቅ. መጽሓፍ ይገልጸልና (ራእይ 21።2-3)፣ ቅ. ጳውሎስ እቶም ዝተጠመቑ ኵሎም ኣብ ክርስቶስ ሐደ ኢዮም፣ ምኽንያቱ ሓንቲ እምነት። ሓንቲ ጥምቀት ሓደ መንፈስ ሰተና፣ “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን። እታ እንቈርሳ እንጌራስ ምስ ሥጋ ክርስቶስ ኅብረት ዘሎዋዶ ኣይኮነትን። ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንሲ ንሕና ብዙኃት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና፣ ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተሳቲፍና” (1ቆሮ 10።16-17)፣ ሓደ ሰውነት ጥራይ ኢዩ ዘሎ፣ ክልተ ሰውነት ዘሎዎ ርእሲ የልቦን፣ ቅ. ዮሐንስ ኣፈወርቅ “ቤተክርስቲያን ነቶም ዝተበታተኑ ምእካብ እምበር። ነቶም ዝተኣከቡ ምብታን ዕላማኣ ኣይኮነን” ይብል ፣
እዚ ጉባኤ እዚ ዚጽሊ ጉባኤ ኢዩ፣ ብፁዕ ኣለክሲ 1ይ (+1970) ፓትርያርክ ናይ ራሻ ብዛዕባ ቤተክርስቲያኖም ምስ ተሓተቱ። “መሥዋዕቲ-ቅዳሴ እተዕርግ ቤተክርስቲያን” (A Church that celebrates the Divine Liturgy) ኢያ ቢሎም መለሱ ፣ ዘይትጽሊ ቤተክርስቲያን ቤተክርስቲያን ኣይኮነትን፣ ኵሎም ኣባላት ከም ሕያው ጨንፈር ኬስተንፍሱ ኣሎዎ፣ ኵሎም ኣባላት ቤተክርስቲያን (ጉባኤ) ኣብ ሊጡርጊያ ከም ኅሩይ ወለዶ። ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ሕዝቢ ብምዃኖም ብዝግባእ ብንጥፈትን ብርድኢትን ክሳተፉ መሠልን ግዴታን ኣሎዎም ፣ ቤተክርስቲያ መንነታ ኣብ ሊጡርጊያ ዝያዳ ይግለጽ፣ መላእ ሕዝቢ እግዚኣብሒር ብምልኣትን ብንጥፈትን ብሓደ ተግባር ናይ ሊጡርጊያ። ኣብ ሓደ ታቦት ብጸሎት ተጠርኒፎም ክሳተፉ እንከሎዉ። እዚ እቲ ዝለዓለ ግልጸት ናይ መንነት ቤተክርስቲያን ኢዩ ፣
ብጥንቲ ክርስቲያን ኵሎም ብሓባር ቅዳሴ። ጸሎት ዳዊት ይደግሙ ነበሩ ፣ ደሓር ግና ኣብ ታሪኽ ናይ ቤተክርስቲያን እንተ ተመልከትና ዳርጋ ኣብ ምዕራብ ይኹን ኣብ ምሥራቕ ኣመንቲ ካብ ተሳፎ ናይ ሊጡርጊያ ክፍለዩ ተረኽቡ፣ ተሳትፎ ኣመንቲ ድኹምን ውሑድን እናኾነ መጺኡ፣ ዳርጋ ናብ ተዓዘብቲ ተለወጡ፣ እዚ ድኽመት ተሳትፎ ናይ ኣመንቲ ኣብ ሊጡርጊያ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ ከኣ ብማእከላይ ክፍለ ዘመን ኢዩ፣ ናይ ኣመንቲ ኣብ ሊጡርጊያ ዘይምስታፍ ብፍላይ ኣብ ጸሎት ሰዓታት ይግለጽ ፣ ኣብ ምዕራብ ሊጡርጊያ ብላቲን። ኣብ ሃገርና ከኣ ብግእዝ ይግበር ስለዝነበረ ሕዝቢ ክርድኦ ኣይክእልን ነይሩ፣ ምኽንያቱ ሕዝቢ ናቱ ቛንቛ ነበሮ፣ ላቲን ወይ ግእዝ ዘይኮነስ ሕዝቢ ካልእ ቋንቛ ይዛረብ ነይሩ፣ ኣብ ቅዳሴ ሰንበት መዓልቲ ብግዲ ቅዳሴ ስማዕ ዝብል ትእዛዝ ስለዘሎ ሕዝቢ ብግዲ በቲ ዘይሰምዖ ቛንቛ ክጽሊ ተገደደ፣ ከምኡ ናይ ቅዳሴ ጸሎታት ንኸተጽንዖ እውን ክሳብ ክንድዚ ከቢድ ኣይነበረን፣ ኣብ ጸሎት ዳዊት ክሳተፍ ግና ወይ ከምቶም መነኮሳት ብምልኡ ብርእስኻ መጽሓፍ ዳዊት ኬተጽንዖ ኣሎካ። ወይ ከኣ ምሁር እንተኾንካ መጽሓፍ ዳዊት ክትሕዝ ኣሎካ፣ ኣብ ሥርዓት ላቲን ጕጅለ ናይ ዘመርቲ ተፈጢሩ። እቲ ዝዝምሩዎ ዝነበሩ መዛሙርን ዜማታትን እናሰፍሔን እናተረቐቐን ስለዝኸደ ንማንም ሕዝቢ ዘየሳትፍ ኰነ፣ ኣብ ሥርዓት ሃገርና ከኣ ብተመሳሳሊ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ዜማታት ናይ ማኅሌታት ናይ ኣቋቋም ተማኅዘ፣ ድጓ ብምልኡ ናይ antiphons መጽሓፍ ኢዩ፣ ድጓ ኬተጽንዕ ክንደይ ዓመታት ኢዩ ዚወስድ፣ ናይ ሊቃውንት ኰይኑ ተረፈ፣ ህዝቢ ክሳተፈሉ ዘይክእል ጸሎታት ኮነ፣
ተመራመርቲ ሕዝቢ ካብ ጸሎት ዳዊት ምስ ተፈልየ። በቲ እዋን እቲ መቍጸርያ ተጀረ ይብሉ፣ 150 ሰላም ንኣኺ ኦማርያም ምስ 150 መዛሙር ይዛመድ፣ ኣብ ሀገርና ከኣ እቶም ዳዊት ወይ ማኅሌት ክገብሩ ዘይክእሉ ናቶም ኣገባብ ጸሎት ምሂዞም፣ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቆኖናዊ ሰዓታት (ነግህ። ሠርክ። ሠለስቱ። ስድስቱ። ትስዓቱ። ዘንዋም። ዘሌሊት) መነኮሳትን መንፈሳውያን ምእመናንን ፍሉይ አገባብ ኣጸላልያ። ብቀሊል መገዲ ክትገብሮ እትኽእል መሃዙ፣ ቀስተ ጸሎታት ውሱን ጊዜ ብምድግጋም እናቈጸርካ ናይ ምጽላይ አገባብ ፈጠሩ፣ ሓደ ምዕራፍ ጸሎት (ሓደ ጸሎት መቍጸርያ) እዚ ዚስዕብ ኢዩ፦ ሀ. ኣቡነ ዘበሰማያት… ሰላመ ገብርኤል… 12 ጊዜ፦ ለ. እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ 41 ጊዜ፦ ሐ. በእንተ ማርያም መሐረነ ክርስቶስ 41 ጊዜ፦ መ. ኤሎሄ 41 ጊዜ፦ ሠ. ኪርያላይሶን 41 ጊዜ፦ ረ. ተዘከረኒ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ 41 ጊዜ፣
ድሕሪ ጉባኤ ቫቲካን II። ኵሉ ኣማኒ ብዝቀለለ መገዲ ክጽልየሉ ዝኽእል አገባብን ቛንቛን ዝተደረሰ ጸሎት ሰዓታት ተደርሰ ፣

III) ግብረ-ምልኾ ሊጡጊያ እንታይ ረብሓ ኣሎዎ?
ኣብ ሊጡርጊያ እግዚኣብሔር ንወድ-ሰብ ሕይወቱ የካፍሎ፣ ሊጡርጊያ ደቂ-ሰባት ኣማልኽቲ ወይ ወሉድ ኣምላኽ ዝኾኑሉ ተግባር ኢዩ፣ መለኮታዊ ሕይወት ካብ እግዚኣብሔር ኣቦ ፈልፊሉ ብዝተሠገወ ወልድ ገይሩ ናብ ደቅ-ሰባት ይመሓላለፍ ብመፈስ ቅዱስ ከኣ ፍጻሜ ይርከብ፣ ንሰብ ናብ መለኮታዊ ባህርይ ናይ ምልዋጥ መሥርሕ ልዕሊ ኵሉ ብቅ. ቍርባን ኢዩ ዚግለጽ፣ ኣብ ቅዳሴ ከምቲ ንሱ ዜተስፈወና “እቲ ሥጋይ ዘበልዕ ደመይ እውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ። ኣነ’ውን በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ከተንሥኦ ኢየ” (ዮሐ 6።56)፣ ምሥጢር ቅ. ቍርባን ብምቕባል ንሕና ኣባላት ሰውነቱ። ኣባላት ዓጽሙን ሥጋኡን ንኸውን፣ ቅ. ጳውሎስ “ንሕና ከኣ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና” (ኤፌ 6።30) ይብል፣ ንሕና ተሳተፍቲ መለኮታዊ ባህርዩ ንኸውን። ቅ. ጴጥሮስ “ንስኻትኩም ካብ ትምኒት ሥጋ ወጺእኩም ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ዀንኩም” (2ጴጥ 1።4)፣ ተስፋ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይህበና፣ “ነዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕሲ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ” (ዮሐ 6።58)፣
እምበኣር ቤተክርስቲያን ኣብ ሊጡርጊያ ነዚ ሕይወት እዚ ኢያ እተብዕል (Celebrates)፣ በዓል ምግባር ሕይወት ምቕባል ኢዩ፣ ነታ ኣምላኽ ዝሀበና ሕይወት ዝያዳ ብዝለዓለ መገዲ ምንባር ኢዩ፣ ስለዚ ዝኾነ በዓለ ከነብዕል እንከሎና ናይ’ቲ ናይ ኵሉ ሕይወት ምንጪ ዝኾነ ኣምላኽ። ንተፈጥሮ ዜፍቅርን ሠናይ ምዃኑ ዝቕበሎን። ወትሩ ንኽነብር ዝኃልየሉን አምላኽ ኢና ነብዕልን ነምልኽን ዘሎና፣ ሊጡርጊያ ክንፍጽም ሠለስተ ነገር የድልዩና፦ ጉባኤ (Assembly)። አገዳሲ ፍጻሜ (Event)። ናይ በዓል ተግባር (ፍጻሜ ሊጡርጊያ) (festal action or celebration)፣ ኣምልኾ አብ ቅድሚ አምላኽ ብሓጐስ ምስዕሳዕ ኢዩ፣ እዚ ናይ ሓጐስ ሳዕስዒት እዚ ምስ ተዓወትካ ዝግበር ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ናይ ፋሲካ ውጽኢት ኢዩ። ሞትን ሠይጣንን ምስ ኣሸነፍካ። ኣብ ልዕሊ ኃጢኣት ዓወት ምስ ኣወጅካ ሽዑ በዓል ትገብር፣ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ በዓል ነበረ፣ ወትሩ ሕጉስ ነበረ፣ “ሠናይ ኣፍቀርካ። እከይ ጸላእካ ስለዚ አምላኽ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ”፣ ናይ በዓል (celebration) ዕላማኸ እንታይ ኢዩ?
1. To Taste Life። ምልኣት ሕይወት ንምስምቃር። ካብ ድኻም-ጻዕሪ ኣዕርፍ ኣቢልካ ንሕይወት ተስተማቕራ፣ ጣዕሚ ናይ ሕይወት ተስተንትን፣ 2. To Taste the Beyond። ብዛዕባ ናይ ንየዋይ ዓለም ሕይወት ተስተማቕር፣ ንስኻ ቅዱስ ምዃንካ ተላሊ፣ ክንየው እዚ ግዙፍ ዓለም ካልእ ዝበለጸ ሕይወት ከምዘሎ ትምልከት፣ ቅ. ጴጥሮስ ኣብ ደ. ታቦር “ኣብ’ዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ” ክብል ተረኽበ፣ ቅ. ጳውሎስ ከኣ ብተመሥጦ ናብ ሣልሳይ ሰማይ ምስ ተወስደ ኣብኡ ካብ ተመክሮ ናይ ደቅ-ሰባት ወጻኢ ዝኾነ ነገራት ተመልከተ። ካብ ተመክሮኡ ንላዕሊ ስለዝነበረ መግለጺ ሰኣነሉ “ዓይኒ ዘይረኣየቶ። እዝኒ ዘይሰምዓቶ። ልቢ ሰብ ዘይሓሎኖ…” (1ቆሮ 2።9) ቢሉ ይገልጾ፣ ሊጡርጊያ ዚፍጸመሉ እዋን እቲ እግዚኣብሔር “ጽቡቕ ከምዝኾነ ርኣየ” ዝበሎ። ኵሉ ነገር ናብ ሠናይ ይቕየር፣ በዚ ምኽንያት እዚ ሊጡርጊያ ሰማይ ኣብ ምድሪ ኢዩ ዝበሃል፣ 3. To Taste Universal Unity። እዋን ሊጡርጊያ ኃድነት እነስተማቕረሉ እዋን ኢዩ፣ ቅ. ዳዊት “ኣኅዋት ብኃባር ክነብሩ ክንደይ ሠናይ ክንደይ ጽቡቕ ኢዩ” ዝበሎ ነስተማቕር፣ ቅዳሴ ወይ ግብረ-አምልኾ ናይ ቅዱሳን ሱታፌ ዝፍጸመሉ። ሰማይን ምድርን ዝራኸበሉ እዋን ኢዩ፣ ቅዱሳን። መላእኽቲ ልዕሊ ኵሉ ድማ ተግባር ቅድሥቲ ሥላሴ ኢዩ፣ ሰማያዊ ሓጐስ ናብ ምድሪ ዝወረደሉ ጊዜ እቲ መልኣኽ። “እንሆ ዓቢይ ሐጐስ ኣበሥረኩም ኣሎኹ” (ሉቃ 2።10)። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ ብዓቢይ ሓጐስ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ፣
ሊጡርጊያ ቤተክርስቲያን ሥርዓት ግእዝ ኣምልኾኣ ኣብ ሓጐስ ዝተመሥረተ ኢዩ፣ ዋዜማን ማኅሌት ዜሊትን ዘነግህን ክግበር እንከሎ ብከብሮን ብጸናጽልን ብሳዕስዒትን ዝተሰነየ ኢዩ፣ ሳዕስዒት ካብ ሓጐስ ኢዩ ዝመጽእ፣ ሰብ ብዅሉ ብኣእምሮ። ብመንፈስ ብስምዒት ብሰውነቱ ብዅሉ ኣምልኾ የቕርብ፣ ኣደታት ብሓጐስ ዝኣክል ኣብ ማእኸል ሥርዓት ኣምልኾ ዕልል ክብላ ንሰምዕ፣ እዚ ምድራዊ ሥርዓት ኣምልኾ እዚ ነጸብራቕ ናይ’ቲ ኣብ ሰማይ ብመላኽቲ ዚግበር ኢዩ፣ ጉባኤ ቫቲካን ክርስቶስ ነቲ ካብ ዘለዓለም ኣብ ሰማየ ሰማያት ዚዝየም መዝሙር ናብ’ዚ ምድረ-ስደት ከምዘምጽኦ ቤተክርስቲያን ከኣ ከየቋረጸት ብቀጻሊ ንዘመናት ትጽልዮ ከምዘላ ይሕብር፣ ብትውፊት መበቆል ዜማ ሊጡርጊያ ግእዝ ብርእሱ ካብ ሰማይ ምዃኑ ኢዩ ዝንገር፣ ቅ. ያሬድ መምህረ ዜማ ሀገርና ብተመስጦ ናብ ሰማይ ከም እተወስደ። ኣብኡ ዜማ መላእኽቲ ከም እተማኅረ ይንገር፣
እዚ ታሕጓስ እዚ ምስ ተጋድሎን ጾምን ዝተሰነየ ኢዩ፣ በዓላት ብክርስቶስ ናብ ምሕጓስ ኢዮም ዚመርሑና። ቀጻሊ በዓላት ከኣ ምንጪ ናይ ዘለዓለማዊ ሐጐስ ኢዩ፣ ኣብ ግጻዌ ሥርዓት ግእዝ እንተተመልከትና ነፍስ ወከፍ ዕለት ናይ ዓመት በዓል ኢዩ፣ እዛ ቤተክርስቲያን እዚኣ ተሰካሚት መስቀል ክርስቶስ ምዃና ኢያ ትፍለጥ። ናይ ተጋድሎን ናይ ጾምን ቤተክርስቲያን ኢያ፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ካብ ዘይጾም ናይ ጾም መዓልታት ይበዝሕ፣ እዚ ኢዩ ከኣ ታሕጓስ ዚፍልፍል፣ ማለት መስቀል ክርስቶስ ናይ ፋሲካዊ ሓጐስ ምንጪ ኢዩ፣ ልዊ ቡየ ዝበሃል ተመራማሪ ታሓጓስ ካብ መስቀል ክርስቶስ ኢዩ ዚፍልፍል ይብል፣ መስቀል ዘይብሉ ሕይወት መንፈሳዊ ታሕጓስ የብሉን፣ መስቀልካ እተደርቢኻ። ነቲ ካብኡ ዚፍልፍል ታሕጓስ ኢኻ ትድርቢ ዘሎኻ (ሉቃ 24።52) ፣
ጾምን ተጋድሎን ክርስቲያናዊ ታሕጓስ ካብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሓድነት ደኣ’ምበር ካብ ብልዕን መስተን ኣይኮነን ዚፍልፍል፣ ጾም ኣብ ገነት። ቅድሚ ውድቀት ኢዩ ተኣዚዙ ፣ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሔር ብዚወጽእ ኵሉ ቃል ደኣ እምበር። ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር…. (ዘዳ 8።3፦ ማቴ 4።4)፣ ክርስቶስ መንግሥቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምብሣር ጾመ፣ ንሕና ከኣ ብኣተሓሳስባ ሥጋ ዘይኮነስ ብመንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ምእንቲ ክንቀሳቀስ ንጸውም (ሮማ 8።1)፣ ቀዳማይ ሰብ ሲሳዩ ሓመልማላት ከምዝነበረ ምዝካር እውን ኣገዳሲ ኢዩ (ዘፍ 1።29)። ክሳብ ዘመነ ኖኅ ሰብ ሥጋ ኣይበልዕን ነይሩ (ዘፍ 9።3)፣ ሲሳዮሙ ሓመልማላት (መነኮሳት)፣

IV) ምምሕያሽ ሊጡርጊያ
ስራሕ ተሓድሶ ሊጡርጊያ ብጥንቃቐን ብምስትውዓልን ክግበር ኣሎዎ፣ ጊዜ ብምሕላፍ ዝተባዝሔን ወይ ዝተወሰኸን ነገራት ሎሚ ተራእዮምን መጽናዕቲ ተገይሩን ክእለዩ አገዳሲ ኢዩ፣ ገሊኡ ድማ ኣብ ታሪኽ ብገለ ምኽንያት ዝተኣልየ ሎሚ ኣገዳስን ኣድላይን ኰይኑ እንተተረኺቡ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ሕይወት ክረክብ ከምቲ ጊዜ ኣበው ዝነበሮ ሕይወት ረኺቡ ናብ ናይ ንቡር ቦትኡ ክሕዝ ኣሎዎ፣ ጉቫቲካን ገሊኡ ክፍልታት ዘመን ብምሕላፉ ብዘይግባእ ስለዝጠፍኤ ጥቕሞምን ኣድላይነቶምን ተራእዩ። ኣብቲ ጥንተ ትውፊት ኣበው ይመለሱ (ቍ. 50) ይብል፣ ሥርዓታት ነቲ ልዑል ገርህነቶም ኬንጸባርቑ ኣሎዎም፣ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ይቕረቡ። ዘይጠቅም ምድግጋም ከኣ ይትረፍ፣ ሕዝበ ክርስቲያን ብቐሊሉ ዝርድኦም ይኹን፣ ብዝተኻእለ መጠን ከኣ ብዙኅ ገለጻ ዘድልዮም ኣይኹኑ (ቍ. 34)፣
ጉባኤ ቫቲካን ሊጡርጊያ ብክልተ ነገር ዝቖመ ምዃኑ ይሕብር። ብሓደ ወገን መሠረቱ መለኮት ዝኾነ ዘይልወጥ እንክኸውን ብኻልእ ወገን ድማ ብባህርዮም ተለዋወጥቲ ነገራት ከምዘሎዉ ይሕብር፣ ሓቀኛ ትውፊት ነቲ ካልኦት ዝገበሩዎ ነገራት ምርካብን ናብኡ ምምላስን ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ነቲ ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ህላዌ ዜምጽኤ መንፈስ ምፍላጥን ኣብ ካልእ እዋን እንተዝኸውን ካልእ ፍሉይ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ ከምዝነበሩን ምርካብ ኢዩ፣ ነቲ መንፈስ ናይ ሊጡርጊያ ንምርካብ መጽናዕቲ ክለሳ ኣተስተንትኖ ጸሎት ምግባር የድሊ፣ ኣብ ዘመንና ዘሎ ኣተሓሳስባን አገማምታን። ንኣድማዕነትን ቅልጡፍ ምንቅስቃስን። ብዘይ ጻዕርን ግላዊ ተወፋይነትን ንዝርከብ ውጽኢትን ኢዩ ዘመጕስ፣ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ምሥራቓውያን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ግና ቀስ ኢልካ እትርድኦን። ብጻዕሪ ዝብጻሕ። ግን ከኣ ይኣኽለኒ ዘይትብሎ ፍልጠት ዜስተምህረካ። ብርቱዕ ትምህርቲ ኢዩ ፣

ር.ሊ. ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ 2ይ “እተን ምስ መንበረ ሮማ ምሉእ ሓድነት ዘለወን ምሥራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ ገዛእ መንነተንን ሓቀይና ባህልን ከም ቀደመን ክለብሳ። እዚ ንጹሕ ባህሊ ምሥራቓውያን ኣብ ዝጠፍኣሉ ከባቢ ከኣ ከምብሓድሽ ከምዝምለስ ንኽገብራ ብትብዓት ኪጽዕራ ከምዘለወን ኣብ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ተሓቢሩ ኢዩ ፣ እዚ ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ጽኑዕ መትከል ምልክት ኢዩ”
ር.ሊ. ጳጳሳት ዮሐንስ ጳውሎስ 2ይ ነቶም ሥርዓት ኣምልኾ እስክንድርያ ዝኽተሉ ምሥራቓውያን ካቶሊኽ። “ብታህዋኽን ሃንደበታዊ ስምዒትን ናብ’ቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነ ባህልን ልምድን ኣይትልገቡ፣ ከምዚ ብምግባርኩም ምስ መንፈስ ሕዝብኹም ምምሕያሽ ቅድሚ ምግባርኩም። ምንጪ ሊጡርጊያኹም እንታይ ከምዃኑ ኣጸቢቕኩም ፍለጡ። መንነት ባህልኹም እንታይ ከምዃኑ ተጠንቂቕኩም ፍለዩ፣ ምስ ናይ እስክንድርያ ክርስቲያን (ኦርቶዶክሳውያን) ዘቀራርበኩም ናይ ኃባር ትውፊት ኣየናይ ከምዃኑ ኣጸቢቕኩም ኣረጋግጹ”
ኣብ ጥሙር ሕጋጋት ምሥራቓውያን ቍ. 704 ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረክብ። “መሥዋዕቲ ቅዳሴ መዓልቲ መዓልቲ ክዓርግ ኣሎዎ፣ ካህን ብዘይካ እተን ብሥርዓት ብሕታዊ ሕጊ ቤተክርስቲያኑ ንኸይቅደሰለን ዝተወሰና መዓልታት። ኵሉ ጊዜ ክቅድስ ኣሎዎ፣ ዝቅደሰሉን ዘይቅደሰሉን ዕለታት ንምፍላጥ እንተተደልየ። መጻሕፍቲ ሊጡርጊያ ምምልካት ከምዝግባእ። ጥሙር ሕጋጋት ምሥራቓውያን ይሕብር፣ ዝቅደሰሉን ዘይቅደሰሉን ዕለታት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ሓደ ኣይኮነን፣ ገሊኤን ምሥራቓውያን አብያተ ክርስቲያናት ኣብ መጻሕፍቲ ሊጡርጊያኤን ዝቅደሰለንን ዘይቅደሰለንን ዕለታት ብንጹር ተመልኪቱ ኣሎ። ግን ጽልዋ ላቲናውያን ስለዘለወን። ነቲ ናይ ገዛእ ርእሰን መምርኂ ኣይክተላን ዘለዋ፣ ቅዳሴ ዘይቅደሰለን ዕለታት ከምዘሎ ኪዕቈባ ኣለወን፣ ሥርዓተ ቅዳሴ ጥራይ ተገይሩ። ኣኰቴት ቍርባን ከይገበርካ። ነቲ ኣቀዲሙ ዝተባረኸ ሥጋሁ ወደሙ ዝቍረበለን ዕለታት’ውን ከምዘሎ ክዕቀብ ኣሎዎ፣ ካብ ሥርዓት ላቲን ከምዝተቀድሔ ባህሊ። መዓልቲ መዓልቲ እንተደኣ ተቐዲሱ። እዚ ዝተጠቕሰ ባህልታት ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ’ሞ ዘይቅደሰለን ዕለታት። ቅዳሴ ክተርፍ ኣሎዎ፣
ኣብ ናይ ጥንቲ ባህሊ ምምላስ ማለት ተዓሚትካ ነቲ ናይ ጥንቲ ባህሊ ሒዝካ ጥራይ ምትራፍ። ስለዚ’ውን ምስ ዘመናዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ዘይምስምማዕ ማለት ኣይኮነን፣ ምስ ጊዜ ምስጓም ናይ ግድን ኣድላዪ ስለዝኾነ። ንመጻኢ እዚ ጕዳይ’ዚ ምብዳህ ከድሊ ኢዩ፣ ለውጥን ተሓድሶን ብሕጹጽ ኣብ ዘድልየሉ ከባቢ። ኦርቶዶክሳውያን ኣኅዋትና ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ እንታይ ከምዝገብሩ ኣቐዲምካ ምፍላጥ የድሊ፣
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ሊጡርጊያ ሕዝባዊ ቛንቛ ክኣቱ ኣወጀ፣ ር.ሊ. ጳጳሳት ጳውሎስ ፯ይ ምስ ቅ. ኣጐስጢኖስ ኰይኖም “ሊጡርጊያ ብሕዝቢ ዘይርዳእ ኰይኑ ካብ ዝተርፍ። እቶም ምሁራት እንተ ተቛየቑና ይሓይሽ” ይብሉ፣ ሕዝባዊ ቋንቛ ንሊጡርጊያ የሃብትሞ ደኣ እምበር ኣየድክዮን ኢዩ፣ ሕዝቢ ምስ ኣምላኽ ብቀሊል መገዲ ንኼዕልል ይሕግዝ፣ ከምኡ ትምህርተ ክርስቶስ።- ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሊጡርጊያ ዝተመሥረተ ክኸውን ከምዘሎዎ አበው የስተምህሩና፣ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅ. መጽሓፍን ጸሎት ዳዊትን ግብረ-ኣምልኾን ዝተመሥረተ ክኸውን እንከሎ ሕዝቢ ዝያዳ ብቀሊል መገዲ ክርድኦን እምነቱ ኬዕብን ይሕግዝ፣
ዜማ (መዝሙር)፦ ዜማ ወይ መዝሙር ንጸሎት ጣዕሚ ይህቦ። ናይ ኣእምሮ ሓድነት ይፈጥር። ንሥርዓት ዝያዳ ዕላውነት ይህቦ፣ ዜማ ባህርይ ናይ ሊጡርጊያ ኢዩ፣ ሊጡርጊያ ወትሩ በዓል ኢዩ፣ ውዳሴ ኣምላኽ። ዝኽሪ ፋሲካዊ ዓወት ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅ. ጉባኤ ዜማ “እቲ ቀንድ ክፍሊ ናይ ሊጡርጊያ የቝውም” ይብል፣ ቅ. መጽሓፍ ንዜማ ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ዓቢይ ዋጋ ይህቦ (ኤፌ 5።19, ቆላ 3።16,)፣ ቅ. ኣጐስጢኖስ “እዚ ዚዝምር ክልተ ጊዜ ይጽሊ” ይብል፣ ዜማ ቅዱስ ነገር ኢዩ፣ ሓዲሽ ዜማ ክማሃዝ እንከሎ ብትሕዝቶኡን ሙዚቃኡን ንኣምልኾ እግዚኣብሔር ዚበቅዕ ክኸውን ይግባእ፣

መንበረ ታቦት ሕይወት ዝዕደለሉ ቦታ ፍሉይ ኣኽብሮ ይወሃቦ፣ ታቦት ኣምሳል ናይ መንግሥተ ሰማይ ኢዩ፣ እግዚኣብሔር ዝነብረሉ ቦታ መዕልተ ባህርያዊ ምዃኑ ንምምልካት መቕደስ ብመጋረጃ ተፈልዩ ይርከብ፣ ኣብ ናይ ቢዛንታይ ቤተክርስቲያን ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ ማዕጾን መጋረጃን ዝኾነ ሰብ ኣይኮነን ዝኣቱ። ልኡኻት ጥራይ ኢዮም ዝኣትዉ፣ እቲ ከዊሉዎ ዘሎ መጋረጃ ንመንበረ ታቦት ካብ ትርኢትና ይኸውሎ። እዚ ግና ንሕዝቢ ኣብ ምሥጢራት ሊጡርጊያ ንከይሳተፍ ምክልኻል ኣይኮነን። እዚ ሕዝቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣምልኾ ንኼቕርብ ብመንፈስ ምብራቃውያን ንከምልኽ ዝሕግዝ ኢዩ፣ መንፈሳውነት ምሥራቓውያን ብምሽፋንን ምግላጽን ኢዩ ዝነቃቃሕ፣ ማዕጾን መጋረጃን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ስራሑ ምሕባእ ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደአ ምግላጽ እውን ኢዩ፣
ኣብ ሃገርና ሕንጻ ቤተክርስቲያን ኣብ ሠለስተ ክፍሊ ይምቀል። ቅኔ ማኅሌት። ቅድስት። ቅድስተ ቅዱሳን፣ ቅድስተ ቅዱሳን ታቦት ስለዘሎዎ እቲ ዝኸበረ ክፍሊ ቤተክርስቲያን ኢዩ፣ ኣብ ሀገርና ሕብሪ ናይ መንጦላዕት ቀይሕ ወይ ከኣ ጻዕዳ ክኸውን ኣሎዎ። ምኽንያቱ ሥጋ ክርስቶስ ስለዘመልክት፣ ብሥጋ ክርስቶስ ንሕና ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ዚወስድ መገዲ ተኺፊቱልና (ማቴ 27።51፤ ዕብ 6።20፦ 9። 11-12)፣ ሮበርት ታፍት “መጋረጃ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መኸላእታ ዘይኮነስ ምልክት ናይ ኣፍ-ደገ መግሥተ ሰማይ ኢዩ” ይብል፣ ኣብ መንደቅ ናይ ሰማይ ነቃዕ ተኸፊቱ። ስለዚ ንሕና ምስ ሰማያዊ ሊጡርጊያ ሕብረት ኣሎና፣
መንጦላዕት ኪዳን ማኅሌት ክግበር እንከሎ ይኽፈት፣ ኪዳን ምስ ተፈጸመ ክሳብ ጸሎተ ፍትሓት ዘወልድ ይዕጾ፣ ሽዑ ክሳብ ጊዜ ጸሎተ ፍትቶ ይኽፈት፣ ብጊዜ ጸሎተ ፍትቶ ሥጋ ንምፍታት ይዕጾ፣ ካብኡ ድሕሪ ኣቡነ ዘበሰማያት ዲያቆን አርኅዉ ኆኃተ መኳንንት ምስ በለ ይኽፈት፣ ብድሕሪኡ ኣሜን ኣሜን ኣሜን ክበሃል እንከሎ ይዕጾ፣ ብድሕሪ እዚ ልኡኻት ምስ ቈረበ ብጊዜ ድርገት ቅ. ቍርባን ንምእመናን ንምዕዳል ይኽፈት፣ ብድሕሪ ምቍራብ ጸሎት ምሥጋናን ምስ ተፈጸመ። ብጊዜ ምንጻሕ ምጽርራይ ጻሕልን ጽዋዕን ይዕጾ፣ ብድሕሪኡ ኣይክፈትን ኢዩ፣
ኣብ ታቦት ዝቕመጥ ነገራት ፍሉጥ ኢዩ፣ ቅ. መጽሓፍ። ዕጣን። ስእሊ ኣደይ ማርያም (ምሥጢረ ሥጋዌ)። መጽሓፍ ቅዳሴ ኣብ (lectern)፣ ኣስተናጽሖ ኣብ ክንድ ኣብ መንበረ ታቦት ኣብ ጣውላ (ኃዳፌ ነፍስ) እንተ ዝኸውን ጽቡቕ ነይሩ፣ ኣብኡ ዜድሊ ንብረት ምተታሕዘ፣ ኵሳኵስ ቅዳሴ ካብኡ ትሕዞ፣ መሕጸበ። መወልወሊ ወዘተ፣ ኵስኵስቲ ናብ መንበረ ታቦት ክቀርብ የብሉን፣ ፣

ኣባ ዮናስ ዮሓንስ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>