Services - Wedding-Ring

ቃል ኪዳን

“እቲ እግዚኣብሔር ዝጸንበሮ ሰብ ኣይፍለዮ”
(ማቴ.19:6)

1. መእተዊ
ቃል-ኪዳን ወይ ምስጢረ ተኽሊል ምስጢር እዩ ምባል እንታይ’ዩ ትርጉሙ? ኣብ ቤተ ክርስትያን ቃል-ኪዳን ምእሳር። እንታይ እዩ ጥቕሙ? ንቃል-ኪዳን ከም ጸዋዕታ እንታይ ዓይነት ምቅርራብ የድልዮ? ኣበየናይ ኲነታት ቃል-ኪዳን ኪፍታሕ ይከኣል? ሕውስ ቃል ኪዳን መዓስ እዩ ዝፍቐድን ዘይፍቀድን? ዚብሉ ሕቶታት ክንምልስ ኢና፣

2. ትርጉም ምስጢረ ተኽሊል
ምስጢረ ተኽሊል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ምእንቲ ክጸድቕ ኢሉ ዝሰርዖም እዮ፣ ሸውዓተ ምስጢራት ሓደ እዩ፣ ነቶም ብስርዓት ዝተጠመቁን ሜሮን ዝተቀብኡን ክርስትያን ሰባት ምስ ክርስቶስ ተወሃሂዶም ክነብሩ። መሳርሒ ወይ መጋበሪ ክኾኖም ዝወሃቦም ምስጢር እዩ፣

እዚ ከኣ ንወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ኣብ ዓቕመ ኣካለ መጠን ምስ በጽሑ። ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት። ኣብ ቅድሚንክርስቶስን ንቤተክርስታንን ወኪሉ ዘሎ ካህንን። ኣብ ቅድሚ ካብ ማሕበረ-ሰብ ክልተ መሰኻኽርንን ብፍታዎም ከይተጣለሙ ብሓንሳብ ክነብሩ ዝኣትውዎ ቃል ውዕሊ (ማሕላ) እዩ፣ ምስጢሩ ከኣ ንሰብ ቃል ኪዳን ብሓንሳብ ጸኒዖም ንኽነብሩ ጸጋ ዘውህቦም ምስጢር እዩ፣ ብተወሳኺ ነፍሲ ወከፎም ብባህርያዊ ፍጥረቶም እግዚኣብሔር ኣብ ልባቶም ብዘሕደረሎም ህያባት። እቲ ሓደ ምእንቲ እቲ ሓደ። ከምኡ’ውን እቲ ሓደ ምእንቲ እቲ ሓደ ከምዝኾኑ ብውሽጦም ብዝስምዖም ዝንባሌ ዝቀውም ክኸውን እንከሎ እግዚኣብሔር ከኣ ነዚ ብሕጊ ከም ዝቐውም ጌይሩ ዝባርኾ እዩ (ት.ክ.ቊ.1765)፣

3. ቃል ኪዳን ካብ ጥንቲ ብእግዚኣብሔር ከምዝተሰርዐ
እግዚኣብሔር ንዓለም ክፈጥር እንከሎ ካብ ኲሉ ፍጥረት ዚልዕል ብነፍሲ ንኣኡ ዝመስል ገይሩን ፈጠሮ፣ ቅድሚ ምፍጣሩ ብዙሕ ነገር ኣዳለወሉ፣ መግቢ ዝኾኖ ከኣ ፍረ ምድርን። ዓሳን ኣሰናደወሉ። ንኹሉ እንስሳ ዝኾነ ክውንን ስልጣን ሃቦ፣ ኩሉ ኣዳልዩ ንኣዳም ፈጠሮ፣ ካብቶም ዝፈጠሮም እንስሳ ንኣዳም እትኸውን ብጸይቲ ስለዝሰኣነሉ። ካብ ጎድኑ መሰንገል ኣዳም ነቒሉ ንኣኡ እትመስል ብጸይቲ ገበረሉ፣ ናብ ኣዳም እውን ኣምጽኣ፣ ኣዳም እዚ ዓጽሚ እዚ ካብ ዓጽመይ እዚ ስጋ እዚ ከኣ ካብ ስጋይ ኢዩ ኩሉ ብዓቢ ምስጋና ተቐበላ፣ ብዙሕ እውን ፈተዋ። (ኦሪ.ዘፍ.2።23)፣ ካብ ሽዑ ሕብረተሰብ ተጀመረ። እግዚኣብሔር “ተባዕታይን ኣንስታይን ጌይሩ ፈጠሮም (ኦሪ.ዘፍ.1።28)፣ ካብ ጎድኑ መሰንገለ ወሲዱ ሰበይቲ ገበረ ክብል ከሎ ማዕርነት ሰብኣይን ሰበይትን የመልክት ማለት እዩ፣ እግዚኣብሔር ንኣዳምን ሔዋንን ብዙሕ ተባዝሑ ንምድሪ ምልእዋን ግዝእዋን ኣብ ልዕሊ ኩሎም እንስሳታት ምልኪ ሂቡ። ንስርሑ ኣብ ምድሪ ኪቕጽሉ ስልጣን ሃቦም፣ ከመሓይሽዋ’ውን ፈቐደሎም (ት.ክ.ቁ.1764)፣

ብርእሱ ቃል ኪዳን ኢዩ፣ ቅዱስ እዩ ዘብሎ ከኣ ብእግዚኣብሔር ጀሚሩ ናብኡ ስለዝምለስ መጀርታኡን መፈጸምታኡን ቅዱስ ስለዝኾነ፣ እዚ ከኣ ብናይ እግዚኣብሔ ድላይን ሕግን ስለዝተሰርዐ እዩ፣ ሕጊ ቃል ኪዳን እምበር “ሰብኣይ ነብኡን እንኡን ሓዲጉ ናብ ሰበይቱ ይጽንበር ክልቲኦም ከኣ ሓደ ስጋ ይኾኑ (ኦር.ዘፍ.2።24)፣ በዚ መሰረት እምበኣር ብዙሓት ኣንስቲ ምእታው ወይ ብወሰን ሰበይቲ ምሓዝ ብሕጊ ኣምላኽ ክልኩል እዩ፣ ቅ.ጳውሎስ “ናብ ርኽሰት ዝሙት ምእንቲ ከይወድቕ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሰበይቲ ይሃልዋ” ይብል (1ቆረ.7።2)፣ ስለዚ ሰብኣይ ብሓንቲ ሰበይቲ። ሰበይቲ ከኣ ብሓደ ሰብኣይ። ተወሲኖም ክነብሩ ትእዛዝ እግዚኣብሔር እዩ፣

4. ክርስቶስ ንኪዳን ኣሓዶሶን ናብ ጥንቲ ስርዓቱ መለሶን
ኣብ ታሪኽ ናይ ብሉይ ኪዳን ምልስ ኢልና እንተተመልከትና ብናይ ሰብ ድኽነትን ዕውረትሕልናን ካብ ሓቐኛ ኪዳን ዘንቢሎም ንረኽቦም፣ ኣብ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ፍትሕን ብዙሓት ኣንስቲ ምእታውን ገኒኑ ንረኽቦ፣ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈሪሳውያን ሙሴ ብኦሪት ፍትሕ ከምዘፍቀደሎም ምስ ገለጽሉ። “ብሰንኪ ጽንዓት ልብኹም እዩ ኣንስትኹም ክትፈትሑ ዝፈቐደልኩም እምበር ካብ ጥንትስ ከምኡ ኣይነበረን በሎም (ማቴ. 19።8)፣ “እቲ ፈጣሪ ካብጥንቲ ሰብኣይ ነቦኡን እኖኡን ሓዲጉ ኣብ ሰበይቱ ይጽንበር። ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይኾኑ፣ ሓደ እምበር ክልተ ኣይኮኑን። ነቲ እግዚኣብሔር ዝጸንበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” በሎም (ማቴ. 19።4-6)፣ “እቲ ንሰበይቲ ፈቲሑ ካልእ ዘእቱ ኩሉ ይዝሙ። እቲ ካብ ሰብኣያ ንዝተፈትሔት ዘእቱ’ውን ይዝሙ። በለ (ሉቃ.16።18)፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብል እንከሎ ከም ሙሴ ሓጋግን ተኻል ስርዓትን ኮይኑ ነቲ ዝነበረ ስርዓት ኣፍረሶ፣ ናይ ባዕሉ ሕግን ስርዓትን ተኸለልና፣ኣምላኽ ንኪዳን ዘይፍታሕን ዘይፍንጣሕን ገበሮ፣ “ እቲ እግዚኣብሔር ዝጸንበሮ ሰብ ኣይፍለዮ” (ማቴ. 19.6)፣ እዚ ክብል ከሎ እቶም ሓደ ግዜ ኪዳን ዝኣሰሩ ባዕላቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኮነ ካልእ በዓል ስልጣን ዝኾነ ሰብ ሓደ እኳ ክፍንጥሖ ዚኽእል የልቦን፣ እቶም ከምዚ ክብል ከሎ ዝሰምዖ ሓውርያትን ኣርድእትን እዚ እዚ ነገር ጽንኩር ከምዝኾነ ንምግላጽ “ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ድኣ ኮይኑስ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” ክሳብ ምባል በጽሑ (ማቴ. 19.10)፣ ኣብ ዝኣቶኻዮ ቃል ኪዳን ጸኒዕካ ምንባር ቀሊል ኣይኮነን። መንፈሳዊ ተጋድሎ የድሊ፣ ብርግጽ ቃል ኪዳን ክቢድ እዩ። መስቀል እውን ኢዩ፣ ጎይታና ኢያሱስ ክርስቶስ “እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ ንርእሱ ይኽሓድ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጾይሩ ይከተለኒ …” ሉቃ.9።23-26) ይብለና (ካብ መጽሓፍ ምስጢረ ተኽሊል ናይ ኣባ ኣድሓኖም ስእሉ)፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስጢረ ተኽሊል ሰሪዑ መዓርግ ከምዘልበሶ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝተገብረ መርዓ ተሪኺቡ ንማይ ናብ ወይኒ ከምዝለወጦ ከምኡ ድማ ነቲ ባህርያዊ ፍቕሪ ሰብ ኪዳን ከኣ ናብ መለኮታዊ ፍቕሩ ይልውጦ (ካብ መጽሓፍ ኣባ ኣድሓኖም)፣

5. ቃል-ኪዳን ኣይፍታሕን እዩ
ቅ.ጳውሎስ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍትሕ ሰብኣይን ሰበይትን ዝህቦ ምላሽ እንኪገልጽ። “ነቶም ዝተመርዓው ጎይታና እምበ ኣነ ኣይኮንኩን ዝእዝዞ ዘለኹ። ሰበይቲ ካብ ሰብኣያ ኣይትፍታሕን። እንተተፈትሔት ከኣ በኪ ትንበር፣ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ። ሰብኣይ ከኣ ንሰበይቲ ኣይፍታሕ” በለ (1ቆረ.7።10-11)፣ በኪ ትንበር ማለቱ ናብ ካልእ ኣይትመርዖ ማለት እዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ኪዳና ስለዘይፈርስ ይኽልክላ ኢዩ። እንተዘይተመርዓወት ንኣምላኽ እናለመነት ምስኡ ብምውህሃድ በኪ ትንበር ከም ማለቱ ኢዩ፣ እዚ ምስጢር እዚ ዓቢይ ኢዩ። እዚ ብናይ ክርስቶስን ብናይ ቤተክርስትያንን ኢየ ዝብሎ ዘለኹ በለ (ኤፌ.5።32)፣ ምኽንያቱ ስምረት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዝቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያኑ ዝኣተዎ ጽኑዕ ኪዳን ምዃኑ ስለዝገልጽ ከኣ ብዛዕባ ኪዳን ቤተ ክርስቲያን እተምህሮ ትምህርቲ “ንኪዳን ሞት ኢዩ ዝፈልዮ” ትብል፣ “በዓልቲ ሓዳር ሰብኣያ ብሕይወት ክሳብ ዘሎ ምስኡ ብሕጊ እስርቲ ኢያ። ሰብኣያ እንተሞተ ግና ካብ ምስ ሰብኣያ ኣሲሩዋ ዝነበረ ሕጊ ፍትሕቲ ኢያ” (ሮሜ 7።2)፣

6. ምሉእ ፍቓድ ናይ ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን

እቶም ቃል ኪዳን ዝኣስሩ ሰባት ጓልን ወደን ብዘይ ተጽዕኖ ብፍታው ክልቲኦም ምዃኑ ቤተክርስትያን ብቆሞስ ተረጋግጸሎም ንቃል ኪዳን ክንሰናዶ ኢሎም ሕጹያት ኣብ ቆሞስ ይቐርቡ፣ ቆሞስ ከኣ ብሓጎስን ደስታን ይቕበሎም፣ ሰስርሖምን መሞይኦምን። ትምህርቶም ይሓቶም፣ ንዝመጽእ መነባብሮ ሕይወቶም ንኽፍለጥ ካቶሊካውያን ምዃኖምን የረጋግጽ፣ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ጠቕሚ ሕብረተሰብ ኢላ ንሕጊ እግዚኣብሔር ንናይ ቤተ ክርስትያንን ዝቃወም መኸላእታ ከይህሉ ንሕጹያት ትምርምሮምን ተጠንቅቖምን። ክሳብ ዝከኣላ ከኣ ብቆሞሳ ትከታተሎም፣ ኣብ ቃል ኪዳን ክልተ ነገር ኣሎ።- 1. ንቃል ኪዳን ብቕዓት ዝከልኦ ፍሩስ ዝገብሮ። 2> ብቕዓት ዘይከልኦ ፍሩስ ዘይገብሮ እዩ፣

7. ምስጢረ ተኽሊል ዝህቦ ጸጋታት

ንኪዳን ዘይፍታሕ ነባሪ ይገብሮ፣ ንግዜ ራህዋ። ጸበባ። ሕማምን ሽግርን ሰብ ኪዳን ጸኒዖም ነንሕድሕዶም ዝጸዋወርሉ ጸጋ ይህቦም፣ ንመንግስቲእግዚኣብሔር ዝበቕዑ ውሉድ ንኽወልዱን። ንዝወለድዎም ብክርስትያናዊ ሕይወት እንዳመርሑ ከዕብይዎምን። ፍሬ ውሉድ እንተዘይሃቦም’ውን ምስ ኣምላኽ ከየንጸርጸሩ ብሓጎስ ንኽነብሩን። ካብ ኪዳኖም ወጻኢ ብፍትወት ስጋ ከይወድቁ ይረድኦም፣ ኣብ ውሽጢ ልቦም ንሰብ ኪዳን መለኮታዊ ሕይወት ሂቡ ቀዳሲ ጸጋ የብዝሓሎም። ብሓቂ ይቕድሶም። ብፍቕሪ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓድሶም። ሓቀኛታት ክርስትያን ክይኖም ብስኒት ብሓንሳብ ዝነብርሉ ጸጋ ይህቦም፣

8. ስድራ ቤት ንእሽቶይ ቤተ ክርስትያን
ክርስቶስ ኣብታ ቅድስቲ ስድራ ናይ ዮሴፍን ማርያምን ተወሊዱ ክዓቢ መሪጹ፣ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ካልእ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ” ስድራ ቤት ኣምላኽ” እያ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቤተ ክርስቲያን በቶም “ምስ ምሉኣት ስድራ እቶም” ኣመንቲ ንምዃን ዝመረጹ እያ ቆይማ፣ ምስ ኣመኑ “መላእ ስድራ ቤቶም” እውን ክድሕኑ ሃረር ኢሎም፣ ንኣብነት። “ቀርስጺስ ዘበሃል መራሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ከኣ ምስ ስድራ ቤቱ ብጎይታ ኣመነ” (ግሓ.18:)። ከምኡ’ውን “ ንሳቶም ከኣ። ብጎይታና ኢየሱስ እመኑ። ንስኻን ስድራኻን ድማ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ” (ግሓ.16:1) ዚብል ጥቕስታት ነንብብ ኢና፣ እምበኣር እዘን ከምዚኣተን ዚበላ ስድራቤታት ከም ደሴታት ክርስትና ኣብ ውሽጢ እቲ ዘይኣምን ዓለም ኮይነን ተርኽባ (ት.ክ.ቁ. 1655)፣ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ዓለም ካብ እምነት ርሒቃን። ወረ ተጻይ እምነት ኣብ ዝኾነትሉ እዋን። ኣመንቲ ስድራቤታት ከም ማእከል ናይ ሕይወት ዘለውን። ዝበርህን እምነት ዓቢይ ኣገዳስነት ኣለወን፣ በዚ ምኽንያትዚ እዩ ቫቲካን 2ይ ጉባኤ። “ስድራ ቤት ንእሽቶይ ቤት ክርስቲያን። ንክትከውን ዝጸውዐ (ብርሃን ኣሕዛብ ቁ.11)፣ ኣብ ማእከል እዘን ስድራቤታት እዮም ወለዲ። ብቃልን። ብግብርን። ንደቆም እምነቶም ዝምስክሩ፣ ንነፍሲ ወከፍ ውሉዶም። ኣብቲ ዘለዎም ጸዋዕታ ንኪስጉሙ ከተባብዕዎምን። ብፍሉይ ክንክን ከኣ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ጸዋዕታ ክህነት/ምንኩስና ክገብርሎምን ይግባእ፣ (ት.ክ.ቁ.1656)፣

ኣብዚ ከምዚ ዚበለ ሃዋሁው እዮም ኣቦ ኣደ ቆልዑን እቲ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ናይ ዝተጠምቁ ዘበሉ። ብፍሉይ መንገዲ ከዘውትሩ ዝኽእሉ፣ እዚ ከኣ ኣብ ምስጢራት ምስታፍን። ጸሎትን ምስጋናን። ቅዱስ ሕይወት ብምምስካርን። ከምኡውን ርእስኻ ምኽሓድን። ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ንጡፍ ብምዃንን ኪፍጸም ይከኣል፣ ስለዚ ገዛና። ናይ መጀመርያ ቤት ትምህርቲ ክርስቲያናዊ ሕይወትን። ሰብኣዊ ምዕባሌን። እያ፣ ኣብኣ ነፍሲ ወከፍ ተጻዋርነትን ፍቕሪ ስራሕን ሕውነታዊ ፍቕሪ። ደጋጊምካ ኣብ ምምሕሓር ልግሲ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣምልኾ ኣብ ጸሎትን። ሕይወትካ ንኣምላኽ ምውፋይን (ት.ክ.ቁ. 1657)፣ እቶም ብዘይ ምርጫኦም ይኹን ወይ ብምርጫኦም ንበይኖም ዚነብሩ። ፍሉይ ትኩረትን ደገፍን ካብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ካብ ጓሶት ኪረኽቡ ይግባእ፣ ብዙሓት ብዘይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ዝተርፉ ብምኽንያት ድኽነት እዩ፣ ገለ በቲ መንገዲ “ብጽዕናታት” ንኣምላኽን ንብጻዮምን እናኣገልገሉ። ኣብነታዊ ሕይወት ዚመርሑውን ኣሎው፣ ነዚኣቶም ኩሎም እታ “ንእሾቶይ ስድራ ቤት” ትኹን እታ ዕብይ ቤተ ክርስትያን ክፉታት ክኾና ይግብአን፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዋላ ሓደኳ ብዘይ ስድራ ቤት ዝነብር የልቦን። ከመይ ቤተክርስቲያን ገዛን ስድራቤትን ኩሉ እያ። ብፍላይ ናይቶም “ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን” (ማቴ.11:8) (ት.ክ.ቁ.1658)፣

ስድራ
ክርስቶስ ኣብ’ታ ናይ ዮሴፍን ማርያምን ቅድስቲ ስድራቤት ሑቕፎ ኪውለድን ኪዓብን መረጸ። ቤተክርስትያንሲ፣ ካብ “ስድራቤት ኣምላኽ” ሓሊፋ ብኻልእ ኣይትፍለጥን። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ከኣ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ቀንዲ ሕመረት በቶም “ምስ ስድራቤቶም” ኣመንቲ ዝኾኑ ዝቖመ እዩ።ናብ ክርስትና ምስኣተዉ “እቲ መላእ ስድራቤቶም’ውን” ኪድኅን ኣለዎ ዚብል ባህጊ ኣኅደሩ። እዞም ኣመንቲ ስድራቤታት፤ ኣብ መንጎ’ቲ ናይ ዘየኣምኑ ባሕሪ-ዓለም ደሴታት ኮይኖም ይርከቡ።
ኣብ’ዚ እዋንና ብመንፅር እምነት፤ጓና ምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተጻይ-እምነት ኣብ ዝኾነሉ ዓለም፥ በቶም ኣመንቲ ዝኾኑ ስድራቤታት፣ ናይቲ ሕያው ኣንጸባራቒ እምነት ማእከል ወይ ምንጪ ምዃኖም ብቐዳምነት ኣገዳሲ ኮይኑ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ፣ ጉባኤ ቫቲካን ካልኣይ ሓደ ጥንታዊ ብሂል ተጠቒሙ፤ ንስድራቤት “ስድራቤታዊት ቤተክርስትያን” ይብላ። ወለዲ ድማ “ብመንፅር ደቆም ብቓልን ብኣብነትን… ቀዳሞት መስፋሕቲ (መበሠርቲ) እምነት ኮይኖም ዚርከቡ” ኣብ ሑቕፎ ስድራቤት እዩ። ብፍሉይ መንገዲ ንዅሉ መንፈሳዊ ጸዋዕታ ብምምዕባል፤ ነፍስወከፍ ውሉድ ነቲ ዘለዎ መጸዋዕታ ምእንቲ ኪሕሉ፤ ኣብ ጸዋዕታ ከተባብዕዎ ይግባእ።
ኣቦ-ስድራ፤ ኣደ-ስድራ ከምኡ’ውን ውሉድን፣ ኵሎም ኣባላት ስድራቤትን፤ “ምሥጢራት ብምቕባል፤ ብጸሎትን ምስጋናን፤ ብምስክርነት ቅዱስ ሕይወትን፤ ብምናኔ-ርእስን፤ ብንጡፍ ግብረ-ሠናይን” ነቲ ብጥምቀት ዝለበስዎ ክህነት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዚኽእሉ፣ ኣብ’ዛ ስድራቤታዊት ቤተክርስትያን እዩ። ምእንት’ዚ ከኣ ስድራቤት፣ ናይ ክርስትናዊ ሕይወት ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ፤ “ሰብኣዊ ብስለት እትመሃረላ እያ”። ኣብ ትዕግሥትን ጽንዓትን፤ ብታሕጓስ ዚፍጸም ስራሕን፤ ኅውነታዊ ፍቕሪ፤ ርኅራኄን ልግሥን፤ ዚደጋገም’ውን ይኹን ይቕረታን ምሕረትን፤ ልዕሊ ኹሉ ድማ ብጸሎትን ብናይ ሕይወት ወፈያን ዚፍጸም መለኮታዊ ኣምልኾ ትመሃር።
ነቶም ብዙሕ ዝቝጽሮም፤ ንውልቆም (በይኖም) ዚነብሩ ሰባት’ውን ክንዝክር ይግበኣና። እዚኣቶም ብዚበዝሕ ብምርጫኦም ዘይኮነ፤ በቲ ፍሉይ ኵነታቶም ዚኣክል ናብ ልቢ-ኢየሱስ ዝቐረቡ ኮይኖም፤ ናይ ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ ናይ ጓሶት-ነፍሳት ፍሉይ ፍቕርን ክንክንን ንጡፍ ኀልዮትን ዜድልዮም እዮም። ብዙኃት ብሰንኪ ድኽነት ዚኣክል ሰብኣዊት ስድራቤት ከይተኸሉ ዝተረፉ እዮም። ገሊኣቶም ነዚ ሃለዋት’ዚ ብመንፈስ ኣንቀጸ-ብፅዕና ንኣምላኽን ንብጻዮምን ብኣብነታዊ ኣገባብ እናገልገሉ ይነብርዎ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም፤ ናይ ስድራቤታትን ናይ’ተን “ስድራቤታዊት ቤተክርስትያን” ዝተሰምያን ኣባይቲ መዓጹ፤ ከምኡ’ውን ዓባይ ስድራቤት ናይ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን መዓጹ ኪኽፈተሎም ይግባእ። “ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ስድራቤት ዘይብሉ የልቦን። ቤተክርስትያን ድማ ንዅሉ ብፍላይ ከኣ “ነቶም ዚጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን” እትበቅዕ ቤትን ስድራቤትን እያ።

እምበኣር እዞም ክልተ ምስጢራት እዚኣቶም ናይ ኣገልግሎት እዮም ምስጢረ ክህነት ነቲ ናይ ክርስቶስ ትልእኾ። “ሰብን ኣምላኽን ናይ ምትዕራቕ ስራሕ” ምእንቲ ክቕጽል ዝሰርዓልና ኣገልግሎት እዩ፣ ከምኡ ምስጢረ ተኽሊል በቲ ብበረኸትን ብጸጋ እግዚኣብሔር ብፍታዎም ዝተቐበልዎ ሓዳር። ስድራ ቤት ናይ ምህናጽን ናብ ኣምላኽ ምብጻሕን። በዚ ኣገባብዚ ኸኣ ቤተ ክርስትያን ናይ ምህናጽ ኣገልግሎት እዩ፣
ኪዳናዊ ፍቕሪ ብባሕሪኡ፤ ናይ’ቶም ሰበኺዳን ዘይገሃስ ተኣማንነት የሓትት እዩ። እዚ ኸኣ ንሓድሕዶም ናይ ዝገበርዎ ምውህሃብን ወፈያን ውጽኢት እዩ። ፍቕሪ ብመሠረቱ ወሳኒት ክትኸውን ትደሊ። “ከምዚ እንተኾነ ወይ ከምቲ” ዚብል ውዕሊ ኣይትጽበን እያ።
“እቲ ናይ ኪዳን ዓሚቝ ሓድነት፤ ነቶም ውሉድ’ውን ረብሓ ከም ምዃኑ መጠን፤ ብወገን’ቶም ሰበኺዳን ነቕ ዘይብል ፍጹም ተኣማንነትን፤ ኣብ መንጎኦም ዘይስበር ሓድነትን ኪሓትት ይርከብ።
እቲ ዝዓመቘን ዝረቐቐን ምኽንያት (መሠረት) ድማ እግዚኣብሔር ንኺዳኑ እሙን ኣብ ምዃኑን፤ ክርስቶስ’ውን ንቤተክርስትያኑ እሙን ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉን እዩ ዘሎ። ብምሥጢረ ተክሊል (ኪዳን) ከኣ ሰበኺዳን ነዚ ተኣማንነት’ዚ ኪውክሉን፣ ነኣኡ ኪምስክሩን ኃይሊ ይረኽቡ። በቲ ምሥጢር ድማ፣ እቲ ናይ ኪዳን ዘይፍታሕ ምዃኑ ሓዲሽን ዓሚቝን ትርጕም የልብሶ።
ምሉእ ሕይወትካ ርእስኻ ምስ ካልእ ሰብ ጸሚድካ ክትካየድ፤ ጽንኩር ጥራሕ ዘይኮነ ዘይከኣል (ዘይውጻእ) ይመስል ይኸውን። እንተኾነ እግዚኣብሔር ብናይ መወዳእታን ዘየዳግምን ፍቕሪ የፍቅረና እዩ፤ ንዚብል ጥዑም ዜና ምብሣር፤ ነዚ ኣገዳሲ ይገብሮ። እዚ ጥዑም ዜና’ዚ ከኣ፤ ሰበኺዳን ኣብ’ቲ ፍቕር’ቲ ከምዚሳተፉ፤ ከምዚጾሮምን ከምዘጽንዖምን፤ ከምኡ’ውን በቲ ተኣማንነቶም ንናይ እግዚኣብሔር እሙን ፍቕሩ መሰኻኽር ኪኾኑ ከምዚኽእሉን ዘበሥር እዩ። ኣብ ጽንኩር ኵነታት ኮይኖም፤ ብጸጋ-ኣምላኽ ተሓጊዞም ነዚ ምስክርነቶም ዚህቡ ሰበኺዳን፤ ናይ’ታ ማኅበረ-ክርስትና ምስጋናን ደገፍን ዚግበኦም እዮም።
እንተኾነ ግን፤ ብግብራዊ ኣከያይዳ ክትርእዮ ከሎኻ፤ ብብዙሕ ምኽንያታት ብሓንሳብ ምንባር ዘይከኣለሉ ኵነታት ይርከብ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ጕዳያት፤ እቶም ሰበኺዳን ግዙፍ ምፍልላይ ኪፍጽሙ፤ በብወገኖም ኪነብሩ ቤተክርስትያን ከተፍቅድ ትርከብ። እዞም ሰበኺዳን’ዚኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ምዃኖም ጋና ኣየጥፍኡን፤ ስለዚ ኸኣ ካልእ ሓዲሽ ኪዳን ኪፍጽሙ ኣይክእሉን፥ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ጽንኩር ሃለዋት፤ ኪከኣል ከሎስ፤ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ዕርቂ ምኾነ። ኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ነቲ ሃለዋቶም ብክርስትያናዊ ኣገባብ ንኺነብሩዎ፤ ነቲ ጋና ዘይፍታሕ ማእሰር ኪዳኖም’ውን ብተኣማንነት ኪምስክርዎ፤ እታ ማኅበረ ክርስትና ክትሕግዞም ተጸዊዓ እያ።
ብሲቪላዊ መንገዲ ፍትሕ ፈጺሞም፤ ከምኡ ብሲቪላዊ መንገዲ ሓዲሽ መውስቦ ዚፍጽሙ ብዙኃት ካቶሊካውያን፣ በዚ ሎሚ ኣብ ብዙኃት ሃገራት ይርከቡ እዮም። “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ካልእ ዜእቱ፤ ኣብ ልዕሌኣ ይዝሙ። እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ካልእ እተእቱ ድማ ትዝሙ” ንዚብል ቃላት ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኣማንነት ብምሕላው፤ እቲ ዝቐደመ ብቑዕ ኪዳን ኣብ ዝኾነሉ፤ እቲ ዚግበር ካልእ ሓዲስ ብቕዓት ኪህልዎ ከምዘይክእል ቤተክርስትያን ብጽኑዕ ተረጋግጽ።እቶም ዝተፋትሑ ብሲቪላዊ ኣገባብ እንተደኣ ካልእ መውስቦ ፈጺሞም፤ ብቐጥታ ንሕጊ-እግዚኣብሔር ኣብ ዚፃረር ሃለዋት ይርከቡ ኣለዉ ማለት እዩ። እዚ ኵነታት’ዚ ከምኡ ኢሉ ክሳብ ዝቐጸለ ከኣ፤ ከም ሳዕቤኑ ቅዱስ ቍርባን ኪቕበሉ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ኣብ ገሊኡ ናይ ቤተክርስትያን መዝነታት ኪሳተፉ ኣይፍቀደሎምን። ብምሥጢረ ንስሓ (ኑዛዜ) ዚርከብ ዕርቂ ኪፍጸመሎም (ኪወሃቦም) ዚከኣል፤ ነቶም ንምልክት-ኪዳንን ተኣማንነት-ክርስቶስን ብምጥሓሶም ዝተጣዕሱን፤ ኣብ ፍጹም ተዓቅቦ ኪነብሩ ንዝወሰኑን ጥራሕ እዩ።
ኣብ ቤተክርስትያን ተሳተፍቲ ኪኾኑ ዚኽእሉን ዚግበኦምን ኵሎም፤ ካብኣ ዝተነጸሉ ኮይኖም ምእንቲ ከይስመዖም፤ ብመንፅር’ቶም ኣብ’ዚ ኵነታት’ዚ ዚነብሩን፤ ወትሩ ከኣ ነታ እምነት ብምዕቃብ፣ ብክርስትያናዊ ኣገባብ ውሉዶም ከዕብዩ ዚብህጉን፤ ወገነ-ክህነትን መላእ ማኅበርን ጥንቁቕ ዝኾነ ኀልዮት ከርእዩ ይግባእ።

ABBA YONAS YOHANES

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>