RepentCross

እምነት (FAITH)

‘’እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኾቦ ዘረጋግጽ ነቲ ዘይረአ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ፣ ነቶም ናይ ቀደም ሰብ’ውን ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም ኩሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ እቲ ዚርአ ድማ ካብ ዘይረአ ከም ዝጠፈጥረ ብእምነትና ኢና ነስተውዕሎ’’(ዕብ.11:1-3) ።

እምነት መሎኮታዊ ህያብ ኣብ ልቢ ሰባት ኪሓድር ብእግዚኣብሔር ዝተሰኹዐ እዩ። እምነት ነቲ ኩሉ ብኣምላኽ ዝተገልጸ መሠረታዊ ሓቅን እንክኸውን፤ ቤተክርስቲያን ብወገና ካብ ክርስቶስ ተቐቢላ እተመሓላልፎ ትምህርቲ ክንቅበልን ክንነብሮን ዝገብርን እዩ። እግዚኣብሔር ዘየታልል ፈጣሪ ስለዝኾነ ተረዲኡና እንኣምኖ ነገር ጥራሕ ዘይኮነ እምነትና ብዝህበና መሰል ንፈልጦ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝተገልጸ ሓቅን ህላዌን እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ነዚ ፈሊጡ እዩ ‘’እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ነቲ ዘይርአ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ’’ በለ(ዕብ.11:1) ; ኣብ ሕይወትና መጀመርያ ብኣምላኽ ንኣምንን ንኣምላኽ ንአምንን; ነቲ መሎኮታውን ትውፊታውን ሓቅታት ብዛዕባ ኣምላኽ ብካቶሊካዊ እምነትና ዝተገለጸልና ድማ ብትምህርትን ብወግዕን ንቕበሎ; ቤተክርስቲያን ንበይና ጥራሕ እያ ናይ ሓቂ መምህር። እዛ ብክርስቶስ ዝተመስረተት ቤተክርስቲያን ንዘመናት ነዚ ሓቅታት ሓቚፋ ስለእትነብር ንደቃ ምምሃርን ምፍላጥን ተልእኮኣ እዩ; ቤተክርስቲያን ድማ እያ እታ ነዚ ናይ ኣምላኽ ዝርኢ ሓቅታት እምነት ተዓጢቓ ክትትርጉም ክተምህርን ሥልጣን ዘሎዋ። ንሳ እምነት ክሕሎን ብዝግባእ ትምህርቲ ክዋሃብን ድማ ትጣበቕ። ኣብ ሕይወት ወድ ሰብ እምነት እቲ ዝለዓለ ጽቡቕ ዝበሃል እዩ; እዚ ስለዝኾነ ሰባት እምነት ክሳዕ ዘይሃለዎም ንፈጣሪኦም ክፈልጡን ክስዕቡን ከምልኹን ኣይክእሉን(ዕብ.11:6) ።

እምነት ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ቃል ካብ ምስማዕ ዝመጽእ እንተደኣኮይኑ ኣብቲ ዘይሰማዕካሉ ወይ’ውን ክትሰምዕ ኣብ ዘይወሰንካሉ ከምኡ’ውን ኣብ ልብኻ ዘይዓቖርካሉ ጊዜ እምነት የብልካን; መሎኮታዊ መምህርና ኢየሱስ ብዛዕባ’ዚ እንከስተምህር ከምዚ ይብል ‘’እቲ ዘይኣመነ ኩሉ ኪኹነን እዩ’’ (ማር.16:16) ። ኣብ ውሽጥና እምነት ዝያዳ ክብርትዕን ሱር ክሰድድን ይግባእ; ካብኡ ነቒልና ድማ ኢና ንኩሎም ምሥጢራት ክንርድኦምን ክነተግብሮምን እንኽእል። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ እምነት ሕይወት ነቲ ናይዚ ሓቂ በዓል ቤት ዝኾነ መምህርና ኢየሱስ ክንቅበሎን ክንወሃሃድን የኽእለና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ እምነት ቃል ፍቓድካ ምሃብ ስለዝሕተት ብኣእምሮና ከይሓለፈ ናብ ልብና ዝወርድ ቃል የልቦን። ጎይታና ኣብ ወንጌሉ ‘’ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ’’(ማቴ.12:34) ስለዝብል እቲ ካብ ኣፍ ዝወጽእ ቃል ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ። ብኣፍና ኣቢሉ ናብ መዝገብ ልብና ቃል ኣብ ዘድልየና ግዜ ከም ዕቑር ተቐማጢ ሕይወት ዝህብ ቃል ከተፍስሶ ትኽእል; እምነት ኣማዕቢልና ኣብ ልብና ዝተቐበልናዮ ናይ እግዚኣብሔር ሓቅታት እቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ዘሎ ትምህርቲ እምነትን ቅዱስ ትውፊትን ዝርከብ እዩ።

ካብዚ ሓስብ ብምብጋስ እምበኣር ኣብቲ እምነትና መንፈሳውነት ወሲኽና ናይ ኣምላኽና ቃል ብኽብርን ቅድስናን ክንጥምቶን የድሊ; ኣብቲ ብምልኣት ቃል ኣምላኽ ዘሎዎ ምልኣት እምነት ኣሎ; ከም ክርስቲያን ኣብዚ ምድሪ እዚ እንኣምኖ እምነት መስፈሪኡ ኣብቲ ክርስቶስ ዝገለጸልና ሓቂ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቡኡ ጠቢiካ ኣብ ምንባር እዩ; እምነትና ዕለተ ዕለት ኣብ ቅዱስ ቁርባንን& ምሥጢረ ንስሓን ጸሎትን እናዓበየ ኪኸይድ የድልዮ። ማርቆስ ወንጌላዊ ብዛዕባ እምነት ዝብለና ቃል ‘’ ንዝኣምን ኩሉ ይከኣሎ ‘’ (ማር.9:23) ብምባሉ ክንዓቢ ናይ ግድን ምዃኑ ይነግረና። ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኮይንካ ናይ ውልድነትካ ሓቀኛ ኣምልኾን ምስጋንናን ናይ ህልው ኩነታትና ብግልጺ ምዝራብ እንክኸውን እምነት ኣብ ጸሎት እንክንብል እነስምዖ ትርጉም ‘’ንሕልናኻን ልብኻን ምስ ኣምላኽ ኮይንካ ብምፍታሽ ንኸንጽሓካ ድልው ምዃን’’ እዩ። በዚ እዩ ድማ’ዩ ጽባቔን ልዕልና ሕይወትን ዝረጋገጽ; ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ እንክጽሕፍ ‘’ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ብልክዕ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይሕሰብ እምበር ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ከይሓስብሲ ንነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ማእከልኩም በቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ’’ ብምባል ይምዕድ።

እቲ ንሕና እንምክሓሉ ጎይታ ንነፍሲ ወከፍና ከከም ግድነትና ኣለልዩ ብምዕዳል ናይቲ ዝሃቦ መሎኮታዊ ህያብ(እምነት) ፍረ ክጽበ ናይ ግድን እዩ; ኣብ ክርስትና ንኸንቱ ዝድርበ ህያብ ኣምላኽ የልቦን; እቲ ሎሚ ኣብ ግዜና ዘሰክፍ ከምቲ ኢየሱስ’ውን ኣብ ወንጌል ዝገለጾ ‘’ ወድ ሰብ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ብሓቂ’ዶ እምነት ክረክብ እዩ’’ ዝብል መጠንቀቕታ ቃል እዩ። ‘’ እታ ካብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ ንዓኻትኩም እንነግራ መልእኽቲ እዚኣ እያ፦ እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ ኣብኡ ከኣ ጸልማት ዚብልዎ ከቶ የልቦን ምስኡ ኅብረት ኣሎና፣ እናበልና ኣብ ጸልማት እንተነበርና ንሕሱ ሓቂ’ውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና…ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ ኣብ ብርሃን እንተነበርና ግና ንሓድሕድና ኅብረት ኣሎና ደም ክርስቶስ ወዱ’ውን ካmk ኩሉ ኃጢኣት የንጽሓና እዩ’’(1ዮሃ1:5-7) ።

እምነት ብርሃን ኮይኑ ደቂ ሰባት ናብ መንግሥተ ሰማይ ኪኣትዉ ንመንገዶም ዘብርህ ሓይሊ እዩ; እምነት ዘሎዎ ሰብ ካብቲ ዘይኣምን ዚፈልዮ ብርሃን ናይ ኣምላኽ ክርኢ ስለዝኽእል’ዩ። እቲ ካብ ግልጸት ኣምላኽ ዝመጽእ ፍልጠት ምልኣት ዘሎዎ ስለዝኾነ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጎደሎ ፍልጠት ኣዝዩ ንጹርን ንኣእምሮን ሕዋሳትናን ዘጥልል እዩ; እዚ ኣዝዩ ዘደንቕ ብርሃን ወይ ግልጸት ኣምላኽ እምበኣር እምነት ተዓጢቕና ጥራሕ ኢና ንፈልጦ። እምነት ኣብቲ ሃብቲ ናይ ኣምላኽ ክንካፈል ብቕዓት ዝህበና ዓቢ ሕያብ ኣምላኽ እዩ; እምነት እንተሎ፤ እቲ ብርሃን ኣምላኽ ብርሃንና ይኸውን፤ እምነት እንተሎ ጥበብ ኣምላኽ ጥበብና ይኸውን፤ እምነት እንተሎ ኣእምሮ ኣምላኽ ኣእምሮና ይኸውን፤ እምነት እንተሎ ሕይወት ፈጣሪ ሕይወትና ይኸውን፣ እምነት ምንጪ ብርሃን ንኣእምሮና ሓይልን ምጽንናዕን ንድላይና እዩ።
በዚ እምነት እዚ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ንኸውን እግዚኣብሔር ሰማየ ሰማያት ገዲፉ ኣባና ኪሓድር ይመጽእ; ኩሉ ተልእኮን ሓቅታትን ክርስቶስ መምህር ሕይወት ኣብ ኩሉ መዳይ ኣነባብራና ግቡእ ቦታኡ ይሕዝ; እምነት ክንለማመድ ምስ ጀመርና ወንጌላዊ ሞራላውነት ክንነብርን እሩም ሕይወት ክነጥርን ንኽእል; ከም ደቂ እግዚኣብሔር መጠን እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዝነበሮ ኩልንትንኣዊ ቅዱስ ሰማያዊ መሎኮታዊ ናብራ ክንነብር ንዓኡ ንብሕቲ ክነምልኽን ክነፍቅርን እምነት ወሳኒ እዩ። እምነት ብተወሳኺ ነቲ ዘልዓለማዊ ብጽዕነት ክንረኽቦ ዝግበኣና ኣኽሊል ብጽንዓት ተስፋ ክንገብርን ክንጸናናዕን ዘኽእለና እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ብእምነት ተስፋ ብምግባር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ከምዚ ይብል’’… ነታ እምነት ሓልየያ እየ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ተነቢሩለይ ኣሎ’’ (2ጢሞ.4:8) ። እምነት ዓስቢ ዘሎዎ’ዩ ስለዝኾነ ድማ ትኽክለኛ ኣገባብ እንርእየሉ መገዲ ናይ ልመናና ከኣ እዩ። እምነትና ዚዓቢ ወትሩ ኣብ ጸሎት እንገብሮ ተኣማንነት እዩ ኣምላኽ ኣብ ጸሎት እምነትና ርእዩ ኪረኽበናን ኪሰምዓናን ይመጽእ። እምነት ፈተናታት ክነሸንፍን ካብ ውድቀት ክንትንስእን ንጸላእትና ክንስዕርን የኽእለና; ተግባረ ድሕነትና ኣብ ሰማይን ምድርን ንኣምላኽን ሰብን ዘሐጉስ ኪኸውን ዝኽእል ነቲ ፈጣሪና ፍቓድና ኣነጺርና ንዓኡ ክንህብን ምስ እንውስን ፍጻሜ ወይ ዓስቢ ጥራሕ እዩ፣ ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሎም‘’ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝተኣመነኒ ኩሉ ኣነ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ… ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝኽሕደኒ ግና ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ(ማቴ.10:32-33) ። እምነትን እምበኣር ኣብዚ ምድሪ’ዚ ንክርስቶስ ክንመስሎ ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቡኡ ዝነገረና መሎኮታዊ ሓሳባትን መደብ ድሕነትን ክነስተማቕሮ ዘኽእለና ንዓና ንኣመንቲ ዝተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ እዩ። ክርስትና ዘምህረና ጥበብ እንተሎ እምነት ተቐቢልና ነቲ ሓደ ብሕቱ ዝኾነ ኣምላኽ ክነምልኽን ኣብ ቅድሜኡ ካልኦት ኣማልኽቲ ከይንገብርን ከይንኽተልን እዩ። ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ዘዳግም እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል መምርሒ ኪህቦም እንከሎ ከምዚ እናበለ ይመኽሮም፦‘’ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኩም እንተረሳዕኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከኣ እንተሰዓብኩምን እንተሰገድኩምን ብርግጽ ከም እትጠፍኡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ… ቃል እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ስለዘይሰማዕኩም ከምቶም እግዚኣብሔር ኣብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ሕዝብታት ከምኡ ክትጠፍኡ ኢኹም’’ (ዘዳግም 8:19-20) ።

እግዚኣብሔር ንሕይወትና ሕይወቱ ንኩነታትና ኩነታቱ ዝገበረሉ ምኽንያት ኣብኡ፦ንዓዑ ንብሕቱ ክንኣምንን ክብኡ ነቒልና ድማ ነቲ ርስትናን ህላዌናን ክንረክብን ካብ ጊዚያው{ት ናብ ዘልዓለማውነት፤ ካብ ጎደሎ ናብ ምልኣት ካብ ጥርጥር ናብ ርግጽነት ምእንቲ ክንሰጋገር ኢሉ እዩ። መሎኮታዊ ባሕርይ ኣምላኽ ንምጭባጥ መሎኮታዊ መጋበሪ የድልየ|; እቲ ነዚ ዘኽእል ድማ ክርስቶስ’ዩ ነዚ ክርስቶስ እዚ ድማ እምነት ጥራሕ ምስ ዝህልወና ኢና ዝያዳ ክነለልዮ እንኽእል። መልእኽቲ ናብ ዕብራውያን ነዚ ከም ብጥቕላል ዘቕርበልና ሓሳብ’’ እቲ ናተይ ጻድቕ ግና ብእምነት’ዩ ዝነብር ንድሕሪት እንተተመልሰ ድማ ብኣኡ ባህ ኣይብለንን እዩ’’ (ዕብ.10:38) ከምዝብል ንሕና ድማ ነዚ መሠረታዊ ጥቕሲ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዕላማና ኪኸውን የድሊ።

ጥቕስታት እዚ ሰሙን’ዚ

ሀ. 2ቆሮ.4:1-17 ለ. ማቴ.10:16-25 ሐ. ግ.ሐ. 2: 42-46

መጽሓፍ ምሳሌ ምዕ. 9:1- ፍጻሜ ፊሊጲ.ምዕ.2:5-11
ጥበበ ሲራክ ምዕ. 1:1-30 1ቆሮ.ምዕ.1:1-30

• መልእኽቲ ዕብራውያን ካብ ምዕራፍ 1-6 ብሙሉኡ
• መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕራፍ

Abba Yonas Yohanes
Vatican Rome
Italy

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <s> <strike> <strong>